እቲ ኣገልግሎት ብዲጂታል ዝተደገፈ ስርዓት ምሕደራ ሓበሬታ ሓደጋ ትራፊክ ንኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኣረኪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ኣገልግሎት ብዲጂታል ዝተደገፈ ስርዓት ምሕደራ ሓበሬታ ሓደጋ ትራፊክ ንኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኣረኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣገልግሎት ፈንድ ድሕንነትን መድሕን መገዲ ኢትዮጵያ ብዲጂታል ዝተደገፈ ስርዓት ምሕደራ ሓበሬታ ሓደጋ ትራፊክ ንኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኣረኪቡ፡፡
ኣገልግሎት ፈንድ ድሕንነትን መድሕን መገዲ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ መገዲ ዝበፅሕ ሞት፣ ኣካል ጉድኣትን ዕንወት ንብረትን ንምንካይን ኣብቲ ዓውዲ ዝተቐመጡ ሃገራውያንን ዓለምለኻውያንን ሸቶታት ንምስኻዕን ዘኽእል ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስትራቴጂ ፍርቂ ዘመን ዘተኮረ ሃገር ለኸ ጉባኤ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ እቲ ትካል ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከማዕብሎ ዝፀንሐ ብዲጂታል ዝተደገፈ ስርዓት ምሕደራ ሓበሬታ ሓደጋ ትራፊክ ንንኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኣረኪቡ እዩ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ጀማል ኣባሶ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ሓድሽ ስርዓት ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ዝኾነ ብዲጂታል ዝተደገፈን ዘይለዋወጥ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ክህልዋ ዝገብር እዩ።
እቲ ስርዓት ኣብ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ሓደጋ ትራፊክ ተኣማንን ዘይለዋወጥን ብምዃኑ፤ ኣብ ሓሶት ሓበሬታታት ተመስሪቶም ብዛዕባ እታ ሃገር ዝወጹ ፀብፃባት ብዝተጠናኸረን ቅኑዕን ሓበሬታ ንምክልኻል ዓብዪ ሓገዝ ክገብር እዩ ኢሎም።
እቲ ስርዓት ሓበሬታ ኣተሓሕዛ ሎሚ ንንኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ከም ዘረከቡ ብምጥቃስ፡ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብቲ ከይዲ ምስ ፖሊስ ፌደራል ብምትሕብባር ከም ዝሰርሑ ሓቢሮም፡፡
እቲ ስርዓት ካብ ፈተነ ክሳብ ትግበራ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ እንትኸውን፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት እውን ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ ስርዓት ስልጠና ከም ዝረኽቡ ተገይሩ እዩ ኢሎም።
ቅድሚሐዚ እቲ ስርዓት ኣብ ስራሕ ንምውዓል ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ከም ዝተገብሩን ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ጅማ፣ ባህር ዳር ከምኡ እውን ድሬዳዋ ብዝተገብረ ፈተነ ትግበራ ውፅኢታዊ ምዃኑ ብምርግጋፁ ሐዚ ኣብ ኩለን ክልል ከተማታት ኣብ ስራሕ ክውዕል ተዳልዩ ከምዘሎ ጠቒሶም።
ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ርስቱ ይርዳው ብወገኖም፤ እቲ ከይዲ ምዝማን ስርዓት ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ናይቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲጂታላይዜሽን ዝጀመረቶ ጉዕዞ ሓደ ኣካል ምዃኑ ገሊፆም።
ፖሊስ እዋናዊ፣ እሙንን ዘመናዊ ስርዓት ሓበሬታ
ምርካቡ፡፤ ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ምክልኻል መዳይ ስርሑ ኣዝዩ ዘቃልልን ኣተሓሕዛ ሓበሬታኡ ዘዘምንን ምዃኑ ጠቒሶም።
እቲ ሓድሽ ስርዓት ብዙሓት ጥቕምታት ከምዘለዉዎ ብምግላፅ፤ ሃገራዊ ፖሊሲታትን ውሳነታትን ብጭቡጥ ሓበሬታ ተመስሪትካ ንምውፃእ ዘለዎ ተራ ልዑል እዩ ኢሎም።