ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ብፍልጠት ዝምራሕ ዓለምለኻውን ዞባውን ርክባት ምጥንኻር የድሊ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓለምለኻውን ዞባውን ርክባት ኣብ መረዳእታ ብዝተመርኮሰ ትንተና ብምምራሕ ሃገራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ዘኽእሉ ተግባራት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ከምዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ጉዳያት ርክባት ወፃእን ሰላምን ዲማ ኖጎ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኮሌጅ ሃገራዊ ምክልኻል ኢትዮጵያ "ህሉው ብድሆታት ሃገራዊ ፀጥታ ኢትዮጵያን ኣንፈታት መፍትሒኡን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓመታዊ ጉባኤ ምኽክር ትማሊ ኣካይዱ።
ኣብቲ መድረኽ  ወታደራዊ ኣማኻሪ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት  ምክልኻልን ሓላፊ ኣመራርሓ ተኹስን ጀነራል ኣለምእሸት ደግፌ፣ ሓላፊ ዋና መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ምክልኻል ጀነራል ይመር መኮንን፣ ኣማኻሪ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስተር ጌታቸው ረዳ፣ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስተር ቀነአ ያደታ (ዶ/ር)፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃእን ሰላምን ዲማ ኖጎ (ዶ/ር)፣ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ተረኺቦም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ጉዳያት ርክባት ወፃእን ሰላምን ዲማ ኖጎ (ዶ/ር ከምዝበልዎ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዝኾነ ይኹን ፀገም ንሃገረ መንግስቲ ክፈታተን ዝኽእል ኣይኮነን።
ስለዝኾነ ኣብቶም ግዳማዊያን ዝኾኑ ብድሆታት ምትኳርን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ርክብ ኣቐዲምካ ብምትንታን ምምራሕ ከምዘድሊን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓለምለኻውን ዞባውን ርክባት ኣብ ሓበሬታ ብዝተመስረተ ትንተና ብምምራሕ ሃገራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ዘኽእልዋ ተግባራት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ከምዝግባእ እውን ገሊጾም።
ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ብወገኖም፤ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝህልው ርክብ ብተግባር ዝተደገፈ ስትራቴጂ ምኽታል ከምዘድሊ ኣረዲኦም።
ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኻዊያን ትካላት ሓይሊ ባሕርን ዘለዎ ርክብ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ተግባራት የሳልጥ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።
ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ ኢትዮጵያ ሰላም ከይትረክብ ዝደልዩ ናይ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ንምምካት ውሽጣዊ ምጉልባት የድሊ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ንሃገራትን ህዝብታትን እቲ ዞባ ብልምዓት ብምትእስሳር ተረባሕነቶም ተረጋግፅ ምህላዋ ተደላይነታ ልዕል ንምባል ከምዘኽእል ጠቒሶም።
ሃገራዊ ረብሓ ብዘኽበረ ኣገባብ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘተኣሳስሩ መሰረተ ልምዓታት ብምስፋሕ ዝሓሸ ሓባራዊ ፅባሕ ክህነፅ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ህልውና ሃገረ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ምድኻም ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው፤ መራሒ እታ ሃገር ንመቐፀልታ ስልጣኑ ኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ህውከት ምፍጣር ቀዋሚ ኣጀንዳ ገይሩ እኳ እንተሓዞ ዘይሳኻዕ ምዃኑ ገሊፆም።
ነበር ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓትእውን ካብ ስልጣን ወፃኢ ክነብር ዘይኽእል ኣመራርሓ ዝሓዘን፣ ንህዝቢ ትግራይ ዘይኮነስ ንባዕሉ ፅምኢ ስልጣኑ ንምርዋይ ዝሰርሕ ምዃኑ ኣልዒሎም።
ተረባሕነት ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ብምርግጋፅ ተስፋኡ ዘለምልሙ ተግባራት ምጥንኻር የድሊ እውን ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም