ኣብ ሞንጎ ኣፍሪካን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘዕብዩ ተግባራት ምጥንኻር የድሊ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 19/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ሞንጎ ኣፍሪካን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘዕብዩ ተግባራት ምጥንኻር ከምዘድሊ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ጃፋር በድሩ ገሊፆም።
ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ምትእስሳር ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንትን ጂኦፖለቲካዊን ብዝበለፀ ንምዕባይ ዝዓለመ መድረኽ ዘተ "ሂሊ ዲያሎግ - ኣፍሪካ ኤዲሽን" (Hili Dialogue - Africa Edition) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ኣማኻሪ ሚኒስትር  ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ፣ ዋና ዳይሬክተር  ኢንስቲትዩ  ጉዳያት ወፃኢ  ጃፋር በድሩ፣ ጉዳይ ፈጻሚ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ  ኣብ ኢትዮጵያ ረሺድ ዓብዱላ ኣልሼኺን ዲፕሎማሰኛታትን  ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ተረኺቦም ኣለዉ።
ዕላማ እቲ መድረኽ እውን ኣብ መንጎ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትን ሃገራት ኣፍሪቃን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ብዝበለጸ ንምጠናኽ፣ ኣብ ቁጠባን ምስግጋር ቴክኖሎጂን ዙርያ ሓባራዊ ዕድላት ንምፍጣር ከምኡ እውን ንኣረኣእያታትን ድሌታትን ኣፍሪቃ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ መሪሕ ተራ ንምጽዋት ዝዓለመ እዩ።
እቲ መድረኽ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ዲፕሎማስያዊን ስትራቴጂካዊን ናይ መጽናዕትን ምርምርን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከሰጋግሮ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር 



ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኢንስቲትዩት ዋና ዳይሬክተር ኣቶ ጃፋር በድሩ ኣብ ናይ መኽፈቲ መደረኾም፤ ቀጻልነት ብዘለዎ ምይይጥ፣ ብሓባራዊ ምርምርን ብምልውዋጥ ፍልጠትን ኣብ ልዕሊ ዝተሰረተ ነባሪ ትካላዊ መሻርኽነት ምህናጽ፡ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ምትሕብባር ንምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትን ዘሎ ርክብ ብዙሕ መዳያዊ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሓባራዊ ተረባሕነት ዘረጋግጹ ናይ ክልተኣዊን ብዙሕኣዊን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምስፋሕ ከምዘድሊ ኣመልኪቶም።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ኤምባሲ ጉዳይ ፈጻሚ ረሺድ ዓብዱላ ኣልሼኺ ብወገኖም፥ ሃገሮም ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ኩለመደያዊ ርክብ ብዝበለጸ ንምስላጥ ቚርጽቲ ምዃና ገሊጾም።
ኣብ ልምዓት ወደብ፣ ኣብ ኢነርጅን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ዓውድታትን ምስ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ትሰርሕ ከምዘላ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም