ኢትዮጵያ ምስ ፓኪስታን ዘለዋ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምዕባይ ክትሰርሕ ኢያ -ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/19 /2018 /ኢዜኣ/ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ምስ ፓኪስታን ዘለዋ ምሕዝነት ንምጥንኻር ከም እትሰርሕ ኣፍሊጦም።

ቀደማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ብምዕዋቱ ናይ እንቋዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)ቀደማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት መንፈስ ሕውነት ዘርእይ ከምዝኾነ ብምግላፅ አመስጊኖም።

ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ኣብ ምዕባለ ጎደና ከምዝርከባ ብምግላፅ፥ ኩለ መዳይ ምዕባለ ዕላዊ ንምግባር ብሓባር ምስላፈን ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም