መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ጭቡጥ ውፅኢት እናምፅአ እዩ - ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ጭቡጥ ውፅኢት እናምፅአ እዩ - ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ብብርኪ ሃገር ሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፀቕጢ ለውጢ ኣየር ካብ ምፅዋር ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ጭቡጥ ውፅኢት የመዝግብ ከምዘሎ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ኣባላት፣ መራሕትን ሰራሕተኛታትን ቤት ኽሪ ወከልቲ ህዝብን ሰራሐተኛታት እቲ ቤት ፅሕፈትን ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፈልሲ ምትካል ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ሎሚ በዶ፣ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ፣ መራሕቲ ቀወምቲ ኮሚቴታት፣ ኣካላት መሪሕነትን ሰራሕተኛታት እቲ ፅሕፈት ቤትን እዮም ሓምለዋይ ኣሰሮም ዘንበሩ፡፡
ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ ኣብዚ እዋን ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ዓለም ዓብዪ ብድሆ እናኾነ መፅዩ እዩ።
ኢትዮጵያ ነቲፀገም ኣቐዲማ ብምርዳእን መፍትሒ ንምንዳይን ውፅኢታዊ መርሃ ግብሪሓምለዋይ ብምቕራጽ ብቖራፅነት ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ ሽፋን ኣግራብ ብዝለዓለ ብርኪ ክዓብይ ከምዝገበረ እውን ገሊፆም፡፡
እቲ ዓወት ኣጠናኺርካ ንምቕጻል መላእ ህዝቢ ኣብ ምራህ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እዚ ብንጡፍ ብምስታፍ ናይ ዜግነት ሓላፍነቱ ክዋፃእ ፃውዒቶም ኣመሓላሊፎም፡፡
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና መንግስቲ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ እቲ ቤት ምኽሪ በብዓመቱ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣባላቱን መላእ ሰራሕተኛታቱን ብምንቕስቓስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብሰፊሑ ክሳልጥ ከም ዝፀንሐ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዓለም ለኸ ብርኪ ዘደንቕ ታሪኽ ትሰርሕ ከምዘላ ዝጠቐሱ እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ልምዓት ሽፋን ኣግራብ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዓብዪ ተራ ይፃወት ከምዘሎ ኣረዲኦም፡፡
ኢትዮጵያ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘስዕቦ ጉድኣት ንምፅዋር፣ ሽፋን ኣግራብ ንምዕባይን ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ዘኽእል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚራ ብሃገር ለኸ ብርኪ ብዕሊ ተግባራዊ ምግባር ከምዝጀመረት ዝዝከር እዩ።
እዙይ ዓብዪ ሃገራዊ ምንቕስቓስ ክሳብ ሒዚ ኣብ ዘለዉ ዓመታት ካብ 48 ቢሊዮን ንላዕሊ ፈልስታት ዱር፣ ፍረታትና ፅላልን ንምልማዕ ዘኽኣለ እዩ፡፡
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሚዛን ስነ-ምህዳር ካብ ምሕላው ሓሊፉ ዞባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ናይ ፈልሲ ውህብቶታት እተበርክተሉ ዓብዪ ኣህጉራዊ ኣሰር ኮይኑ የገልግል ኣሎ።
ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ‘‘ተስፋ ንትከል’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ 8 ቢሊዮን ንላዕሊ ፈልስታት ንምትካል ዝተሓሰበ እንትኸውን ፤ እዚ ድማ ቁፅሪ ሓፈሻዊ ዝተተኽሉ ፈልስታትናብ 56 ቢሊዮን ከብፅሖ እዩ፡፡