ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 57 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተመያይጡ ውሳነ ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 19 / 2018 (ኢዜኣ)፦ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 57 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተመያይጡ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ፡፡
ውሳነታት መበል 57 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 57 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተመያይጡ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ፡፡
1. እቲ ቤት ምኽሪ ፈለማ ዝተመያየጠሉ ኣብ ምስ ዓለምለኸ ማሕበር ልምዓት (IDA) ዝተፈረሙ ሰለስተ ስምምዓት ፋይናንስ ደገፍን ልቓሕን እዩ፡፡ እቲ ቀዳማይ ንመፈፀሚ ዘላቕን ኩለመደያውን ፖሊሲ ልምዓት ዕብየት ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሾውዓተን ሚሊዮንን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕን (437,400,000) ኤስ.ዲ.ኣር እዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ንመፈፀሚ ፕሮግራም ሕብረተሰብ ተኮር ኣተሓሕዛ መሬት ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ ሚእትን ኣርባዓን ሓሙሽተን ሚሊዮንን ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕን (145,500,000) ኤስ.ዲ.ኣር እዩ፡፡ እቲ ሳልሳይ ንመፀሚ ፕሮጀክት ንለውጢ ኣየር ዘይስዓር ልምዓት መስኖ ዘላቊ ፍርያት ዝኸውን ስምምዕነት ልቓሕ ሓምሳን ኣርባዕተን ሚሊዮንን ሹድሽተ ሚእቲ ሽሕን (54,600,000) ኤስ.ዲ.ኣር እዩ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ሰለስቲኦም ስምምዕነታት ልቓሕ ስ ምስ ፖሊሲ ልቓሕ ሃገርና ዝሰማምዑ ምዃኖም ብ ምርግጋጽ ነቶም ስምምዕነታት ልቓሕ መፅደቂ ረቂቅ ኣዋጃት ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፉ ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
2. ቀፂሉ እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን፡ ኣገልግሎት ኣብያተ መዛግብትን ኣብያተ መጻሕፍትን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ ንዝህብዎም ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝኽፈሉ ክፍሊታት ኣገልግሎት ንምውሳን ኣብ ዝቐረቡ ረቂቕ ደንብታት ተመያይጡ እዩ፡፡ እቶም ትካላት ንዝህብዎም ኣገልግሎታት ብውሽጣዊ እቶት ዝሽፈኑ ወፃኢታት ካብ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ብዝእከብ ክፍሊት ኣገልግሎት ክሽፍኑ ብዝብል ዓቕሚ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ብዘገናዘበ መልክዑ ኣገልግሎት ብፅሬት ምሃብ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ከኽእሉ እቶም ረቂቕ ደንብታት ተዳልዮም ንቤት ምኽሪ ቀሪቦም፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቶም ረቂቕ ደንብታት ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ፌደራል ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሞም ካብ ዝወፅሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ክውዕሉ ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
3. ቀፂሉ እቲ ቤት ምኽሪ ምይይጥ ዘካየደሉ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ መፅደቂ ኣባልነት ስምምዕነት መጣየሺ ባንኪ ኒው ዴቨሎፕመንት (New Development Bank) እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ባንኪ ኒው ዴቨሎፕመንት ባብኣባልነት ምፅንባራ ንልምዓት ሃገራዊ ፋይናንስ ልምዓት፣ ንሓገዝ ሰረተ ልምዓትን ንምርግጋዕ ማክሮ-ኢኮኖምን ኣማረፅቲ ምንጭታት ገንዘብ ንምርካብ ዘኽእላን ምስ ስርዓታት ፋይናንስ ደቡብ-ደቡብ (South-South) ዝህልዋ ምትእስሳር ዘጠናኽርን ምዃኑ ስለዝተኣመነሉ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት መጣየሺ ተዳልዩ ቀሪቡ እዩ ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ጉዳይ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ እታዎታት ብምውሳኽ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
4. ኻልእ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተመያየጠሉ ኣጀንዳ ረቂቕ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን እዩ፡፡ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ንዕብየት ሃገርና ወሳኒ ተራ ዝፃወት ከም ምዃኑ መጠን ኣብ 2006 ዓ.ም ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ወፂኡ ንዝሓለፉ ዓመታት ክትግበር ፀኒሑ እዩ፡፡ በዚ ድማ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ዝተወሰነ ለውጥታት ዝተመዝገቡ እኳ እንተኾኑ ዓለምና ምስ ዝበፅሓቶ ዕብየት ቴክኖሎጂ፣ ምስፍሕፋሕ ከተማታት፡ ዕብየት ድሌት መሰረተ ልምዓታት ኣንፃር ሰፊሕ ክፍተት ዝነበሮ ብምዃኑ ፍርያትነትን ተወዳዳሪነትን እቲ ዓውዲ ብምዕባይ፣ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ማዕቀፋት ሕጊ ብምስምማዕን ብምውህሃድን ከምኡ እውን ዓቕሚ ልምዓት እቲ ዓውዲ ብሙሉእ ብምጥቃም ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር እቲ ፖሊሲ ተዳልዩ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ፖሊሲ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ እታዎታት ብምውሳኽ በቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝፀደቐሉ ካብ ሎሚ 19 ሰነ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ክውዕል ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ ኣሎ፡፡
5. ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተመያየጠሉ ረቂቕ ፖሊሲ ልምዓት ከተማ እዩ፡፡ ኣብ 1997 ዓ.ም ወፂኡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስራሕ በብዝፀንሐ ፖሊሲ ልምዓት ከተማ ኣብ ከተማታት ፀገማት ሰናይ ምሕደራ ንምፍታሕ፣ ከተማታት ብኢኮኖሚ ተወዳደርቲ ክኾና፣ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ቀልጣፋ ክኸውን፣ ምትእስሳር ገጠርን ከተማን ከምኡ እውን ከተማን ከተማን ክጠናኸር፣ መሰረተ ልምዓትን ዝተፈላለዩ መፍረይትን ኣገልግሎት ወሃብትን ትካላት ክሰፍሑ ኣብ ዝተገብረ ፃዕሪ ውፅኢታት ዝተመዝገቡ ዋላ እኳ እንተኾኑ ክፍተታት እውን ዝነበሩሉ ስለዝኾነ ክፍተታት እቲ ነባር ፖሊሲ ንምእራም፣ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብ ከባቢ ከተማታት ዝረኣዩ ዘለዉ ዘተባብዑ ለውጥታት ንምፅናዕን ብዝበለፀ ንምጉልባትን ፖሊሲ ልምዓት ከተማ ብሓድሽ መልክዕ ተዳልዩ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ፖሊሲ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ እታዎታት ብምውሳኽ በቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝፀደቐሉ ካብ ሎሚ 19 ሰነ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ክውዕል ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም