ቻይና ንፓርቲ ብልፅግና መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፋ - ኢዜአ ትግርኛ
ቻይና ንፓርቲ ብልፅግና መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፋ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 18/2018 (ኢዜአ):- ቻይና 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንዝሰዓረን ብቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንዝምራሕን ፓርቲ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፋ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ መወዳእታ ውፅኢት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዕላዊ ከም ዝገበረ ዝዝከር እዩ።
ብመሰረት እቲ ውፅኢት ድማ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 501 መንበራት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እቶም 438 ረኺቡ እዩ።
ውሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጒዳያት ወፀኢ ቻይና ጒዎ ጂያኩን ኣብ ናዕለታዊ ጋዜጣዊ መግለፂኦም ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፤ ቻይናን ተኣማኒትን ብኲነታት ዘይቀያየር ስትራቴጂካዊ መሻርኽቲ (all-weather strategic partnership) ኢትዮጵያ ምዃና ገሊፆም።
ቻይና ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ጭቡጥ ሃገራዊ ኲነታት ዘገናዘበ ጐደና ልምዓት ክትክተል ትገበሮ ድገፍ ከምትቅፅልን ኣብ መፃኢ እውን ዝበለፀ ሃገራዊ ዕብየት ከምተመዝግብ ዘለዋ ፅኑዕ እምነት ገሊፆም።
ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ርክብ ዓብዪ ቦታ ከምትህብ ዝሓበሩ እቶም ውሃቢ፤ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝበፅሕዎም ታሪኻዊ ስምምዓት ከምኡ እውን ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ፎረም ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ (FOCAC) ዝተመሓላለፉ ውሳኔታት ንምትግባር ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፆም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ኲሎም ዓውድት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ብምጥንኻር ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ዝበለፀ ረብሓ ንምምፃእ፤ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ቻይና-ኣፍሪካን ሃገራት ደቡብ ንፍቀ ክብን (Global South) ዘሎ ሓድነትን ምትሕብባርን ብዝበለፀ ንምዕባይ ቻይና ኣበርቲዓ ከምትሰርሕ እቶም ውሃቢ ቃል ከምዝተዛረቡ ፀብፃብ ዜና ወኪል ዢንዋ የመላኽት።