ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ዝፃረሩ ሓይልታት ስግኣት ዝምክት ንዘመኑ ዝምጥን ዘተኣማምን ሰራዊት ምክልኻል ተሃኒፁ እዩ - ጀነራል ኣለምእሸት ደግፌ - ኢዜአ ትግርኛ
ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ዝፃረሩ ሓይልታት ስግኣት ዝምክት ንዘመኑ ዝምጥን ዘተኣማምን ሰራዊት ምክልኻል ተሃኒፁ እዩ - ጀነራል ኣለምእሸት ደግፌ
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ /18/2018 (ኢዜኣ)፦ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ዝፃረሩ ሓይልታት ስግኣት ዝምክት ንዘመኑ ዝምጥን ዘተኣማምን ሰራዊት ምክልኻል ከምዝተሃነፀ ወታደራዊ ኣማኻሪ ጠቕላይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻልን ሓላፊ ኣመራርሓ ተኹስን ጀነራል ኣለምእሸት ደግፌ ኣፍሊጦም።
ኮሌጅ ሃገራዊ ምክልኻል ኢትዮጵያ "ሃገራዊ ብድሆታት ፀጥታ ኢትዮጵያን ኣንፈት መፍትሒታትን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓመታዊ ጉባኤ ዘተ የካይድ ኣሎ።
ጀነራል ኣለምእሸት ደግፌ ኣብዚ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ኩለም ዓውድታት ዕብየት ኣብ ዘቀላጥፍ ቅኑዕ ኣንፈት ልምዓት ትርከብ።
ዕብየት እታ ሃገር ምትዕንቃፍ ዝደልዩ ፅንፈኛታትን ሓይልታት ግብረ ራዕድን ዘካይድዎ ከንቱ ፈተነ እውን ብጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፈታዊ ሰላም ህዝብን ይመክን ከምዘሎ ገሊፆም።
ፅንፈኝነትን ኣክራሪነትን ፀረ ልምዓትን ሓድነትን ሃገር ምዃኑ ዝጠቐሱ ጀነራል ኣለምእሸት፤ ናይ ጥፍኣት እምበር ናይ ዕላማ ሓድነት ዘይብሎም ሓይልታት ዳግማይ ስግኣት ኢትዮጵያ ክኾኑ ዕድል ክወሃቦም ከምዘይግባእ ተዛሪቦም።
በዙይ እውን ሰላምን ልኡላዊ ክብርን ኢትዮጵያ ብምፅናዕ ዕብየታ ምቅልጣፍ ታሪኻዊ ሓላፊነት ኩሉ ዜጋ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ዓለምና ኣብ ከይዲ ስግግር ሓደ ነፀላ ዓብዪ ሓይሊ ናብ ብዙሓት ሓይልታት ከም ትርከብ ዝገለፁ ጀነራል ኣለምእሸት፤ እቲ ከይዲ ብርክት ዝበሉ ዝተሓላለኹን ኣፀጋምትን ኩነታት ፀጥታን ድሕንነትን ከምዘስዓብ ኣብሪሆም።
ህሉው ዞባዊ ኩነታት ዕድል እውን ስግኣት እውን ሒዙ ዝመፀ ምዃኑ ብምሕባር፤ ከም ሃገር ነቲ ዕድል ንምጥቃምን ስግኣት ኮይኖም ንዝመፀ ፀገማት ግቡእ ምላሽ ንምሃብን ዘመኑ ዝምጥን ሓያል ሰራዊት ምክልኻል ከምዝተሃነፀ ገሊፆም።
ምብራቕ ኣፍሪካ ሓይሊ ኣሰላልፋን ፅልዋ ማእኸለዎት ሓይልታትን ዝረኣየሉ ዞባ ምዃኑ ብምጥቃስ፤ ኩነታት ምስ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብምትዕራቕ በሊሕ ስትራቴጂ ምኽታል ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።
ብሓባራዊ ቅልፅም ኢትዮጵያውያን ተሰባቢሮም ዝነበሩ ፀላእቲ ሃገር፣ ሎሚ እውን ካብ ሃገራዊ ረብሓኣ ብተፃራሪ ም ዝቖሙ ሓይልታት ብምእካብ ንዳግማይ ልእኽቶ ጥፍኣት ይዳለዉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ሰራዊት ምክልኻል እውን ሙሉእ ወታደራዊ ምድላው ብምግባር ዝለመዶ ገድሊ ጅግንነት ንምፍፃም እኹል ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣረጋጊፆም።
ሓላፊ ዋና መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ምክልኻል ጀነራል ይመር መኮንን ብወገኖም፤ ኣብዚ እዋናውን ተለዋዋጥን ዝኾነ ኩነታት ዓለም ውሽጢ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምኽባር ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ገሊፆም።
ሃገራዊ ፀጥታ ኢትዮጵያ ምስ ሓባራዊ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ተረባሕነትን ድሕንነትን ዝተኣሳሰረ እዩ ዝበሉ ጀነራል ይመር፤ ልኡላዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብምቕፃል ሃገራዊ ረብሓ ን ምርግጋፅ ብሓባር ምስራሕ እዋኑ ዝሓቶ መሰረታዊ ኣጀንዳ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብቲ ጉባኤ ኣማኻሪ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስተር ጌታቸው ረዳ፣ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስተር ቀነአ ያደታ (ዶ/ር)፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃእን ሰላምን ዲማ ኖጎ (ዶ/ር)፣ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ተረኺቦም።