ኣብ ኢትዮጵያ ህንፀት ባህሊ ስርዓት ዲሞክራሲ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ እናተሰጋገረ እዩ - ኣይተ መለሰ ኣለሙ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 18/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ምህዳር ብምስፋሕ ህንፀት ባህሊ ስርዓት ዲሞክራሲ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ይሰጋገር ከምዘሎ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ሓላፊ ህንፀት ባህሊ ስርዓት ዲሞክራሲ ኣይተ መለሰ ኣለሙ ገሊፆም።
24 ጉንቦት 2018 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ከይዲ ምሃብ ድምፂ 42 ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ብዙሓት ሚሊዮናት ዜጋታትን ዝተሳተፉሉ ታሪኻዊ መረፃ ኮይኑ ተዛዚሙ አዩ።
ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢጋድ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብዙሓት ሲቪል ማሕበራትን ከይዲ እቲ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓዊን ገለልተኛን ምዃኑ ምስክርነቶም ብምሃብ ኣረጋጊፆም እዮም።
ኣብ መዓልቲ መረፃ እውን ዜጋታት ካብ ንግሆ ሰዓት 10 ጀሚሮም ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ብምስላፍ ከይተረፈ ንህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዘለዎም ቆራጽዠፅነት ኣመስኪሮም እዮም።
ኣይተ መለሰ ኣለሙ ንኢዜአ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ናይ ፖሊሲን ውድባትን መረፃ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ስርዓት መረፃ እውን እዩ።
ትካላት ዲሞክራሲን በዓል ዋና ልኣላዊ ስልጣን ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያን ናፅነቶምን ዘይሻራውነቶምን ብግብሪ ዘረጋገፅሉ መረፃ ምዃኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያውያን ሓቀኛ ባህጊ ዲሞክራሲ ሰርዓት ንፈታዊን ፀላእን ዘርኣዩሉ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ካብ ቅድመ መረፃ ክሳብ ድሕረ መረፃ ምውዳድ ተዋሳእቲ ቅ ምንባሩ እውን ንኢዶም።
እቲ መረፃ ካብ ውድድር ውድባት ፖለቲካ ሓሊፉ ሃገራዊ ክብርን ልኡላውነትን ዝተንፀባረቐሉ ብምዃኑ ኢትዮጵያ ተዓዊታ እያ ኢሎም።
ኣብ ፅባሕ ለውጢ ዝተገበረ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ሪፎርም ምንግልታዕን ስደትን ውድባት ብምትራፍ ምዕረይ ምህዳር ፖለቲካዊ ውድድር ከምዝተፈጥረ ገሊፆም።
እቲ ምምሕያሽ ሕግን ፖሊሲን እውን ኣብ ሻድሻይን ሻብዓይን ሓፈሻዊ መረፃታት ተሳትፎ ውድባት ብምዕባይ ሓዱሽ ህንፀት ባህሊ ዲሞክራሲ ክውለድ ከምዝገበረ ኣረዲኦም።
በዙይ እውይ ፖለቲካዊ ውድባት ምንጪ ስልጣን ካብ ህዝቢ ዝወሃብ ድምፂ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ኣብ ህንፀት ባህሊ ዲሞክራሲ ዝግብኦም ሃናፂ ግደ ዝፍፅሙሉ ዕድል ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም።
ኣብ 7ይሓፈሻዊ መረፃ ናይ ውሽጥን ወፀእን ፀቕጥታት ብምፅዋር ንህንፀት ባህሊ ዲሞክራሲ ኣሰሮም ዘንበሩ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።
እቲ መንግስቲ ለውጢ ኣብ ሃገራዊ ሓባራዊ ረብሓታት ኣብ ክንዲ ውድድር ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ስርዓት ብምዝርጋሕ፣ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ተናሓናሕቲ ውድባት ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ሓደ ዓይነት መርገፂ ክሕዙ ከምዝገበሮም ገሊፆም።
እዙ ዓብዪ ውፅኢት ዲሞክራሲ ምዃኑ ብምልዓል፤ ፍልልያት ከምዘለዉ ኮይኖም ኣብ ሞንጎ ውድባት ምትእምማን ብምፍጣር ምድኻም ኢትዮጵያ ዝደልዩ ሓይልታትን ታሪኻዊ ፀላእትን ከምዘሕፈረ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም