ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ኩለመዳያዊን ዲጂታል መፃኢ ዕድል ንምህናፅ ብቖራፅነት ትሰርሕ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 17/2018 (ኢዜኣ): -ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ኩለመዳያዊን ዲጂታል መፃኢ ዕድል ንምህናፅ ብቖራፅነት ትሰርሕ ከምዘላ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መረብ ድሕንነት ኢንፎርሜሽን (INSA) ትዕግስት ሃሚድ ገሊፀን።

ንኽልተ መዓልታት ዝፀንሕ ኣብ ሳይበር ድሕንነትን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ዘተኮረ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መረብ ድሕንነት ኢንፎርሜሽን (INSA) ትዕግስት ሃሚድ ከምዝገለፃኦ፤ ኢትዮጵያ ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 እናተመርሐት ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ጉዕዞኣ ሓድሽን ተስፋ ዘለዎ ሰፊሕ ምዕራፍን ትርከብ።

ቴክኖሎጂ ንሃገራዊ ልምዓት መሰረታዊ ሓጋዚ ጌርካ እናተወሰደ ከም ዝርከብ ብምብራህ፤ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ዲጂታል ስነ-ምህዳር ቴክኖሎጂ ኣገዳሲ ጥራሕ ዘይኮነስ መሰረታዊ ዓምዲ ልኡላውነት፣ ጥንካረ ኢኮኖሚን መሰረት ዘላቊ ልምዓት ሃገር ምዃኑ እውን ገሊፀን።

ዲጂታል ቴክኖሎጂታት ዘመናዊነት ሕርሻ የሳልጡ፣ ዓቕሚ ፋይናንስ ቴክኖሎጂ እናስፍሑ፣ ስነ-ምህዳርን ቴክኖሎጂ ሃገር ውሽጢን ኢንተርፕራይዛት ፈጠራን ካብ ምድጋፍ ብተወሳኺ ወሰንቲ ዲጂታል ስርዓታት ባዕልኻ ናይ ምምዕባል ብሄራዊ ዓቕሚ የጠናኽሩ ከምዘለዉ ሓቢረን።

መፃኢ ጉዕዞ ጂታል እታ ኣህጉር ንምርግጋፅ እውን ኣብ ሳይበር ድሕንነት፣ ትምህርቲ፣ ኣብ ልዑል ስልጠና ቴክኒክ ፣ ምርምርን ፈጠራን ከምኡ እውን ኣብ ምምዕባል ክእለት መንእሰያት ልዑል ኢንቨስትመንት ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጠን።

ኢትዮጵያ ምትሕብባር ሳይበር ድሕንነት ንምዕባይ፣ ሓላፍነት ዝመልኦ ፈጠራ ንምትብባዕ፣ ዓቕሚ ንምህናፅን ልውውጥ ሓበሬታ ንምምችቻውን ምስ መንግስታት፣ ዓለም ለኻዊ ትካላት፣ ማሕበረሰብ ኣካዳሚክን መራሕቲ ኢንዱስትሪን ብምውዳድ ትሰርሕ ከምዘላ ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም