መሶብ ሓደ ማእኸል ህዝቢ ግዚኡን ገንዘቡን ንልምዓት ንከውዕል ዝገብር እዩ -ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 17/2018 (ኢዜኣ):-ዲጂታል መንግስታዊ ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእኸል ብልሹው ኣሰራርሓን ቢሮክራሲን ብምውጋድ ህዝቢ ግዚኡን ገንዘቡን ንልምዓት ንከውዕል ዝገብር ዘመናዊ ኣሰራርሓ ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዲጂታል መንግስታዊ ኣገልግሎት ኣዲስ መሶብ ሓደ ማእኸል ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት (ዓሰርተ ሓደ) ማእኸላት ጋህዲ ብምግባር ቃል ብግብሪ ዝተራእየሉ ምዃኑ ኣመላኺተን።

ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣቃቂ ቃሊትን ለሚ ኩራን ሎሚ መዓልቲ ክልተ ሓዱሽ መሶብ ሓደ ማእኸል ዲጂታል መንግስታዊ ኣገልግሎት ብዕሊ ከምዝተኸፈቱ ሓቢረን።

 በዙይ እውን ኣብታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ማእኸላት ጋህዲ ምግባር ከምዝተኻእለ ኣረዲአን።


 

እቶም ማእኸላት ንነበርቲ እታ ከተማ ቅልጡፍ፣ ስሉጥ፣ ወፃኢ ዝቑጥብ፣ ግልፂ፣ ካብ ኣድልዎን ጉቦን ዝፀረየ ፍትሓዊ ኣገልግሎት ኣብ ኩሉ ከባቢ ንክረኽቡ ዘኽእሉ ምዃኖም ገሊፀን፡፡

ኣብዚ እዋን ኣብቶም ማእኸላት 50 ሚእታዊ ዝኣክል መንግስታዊ ኣገልግሎታት ንህብረተሰብ ኣዝዩ ብዝሰለጠ መልክዑ ይውሃብ ከምዘሎ ኣመላኺተን።

እቶም ዝተረፉ 50 ሚእታዊ ኣገልግሎታት እውን ናብቶም ማእኸላት ንክኣትዉ ብምግባር ኣወሃህባ ኣገልግሎት ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝማን ንነበርቲ ዕግበትን ዕረፍትን ምፍጣር ቀፃሊ ስራሕ ከምዝኸውን ኣረዲአን።

ንነዊሕ ዘመን ዝተሓላለኸ ቢሮክራሲ፣ ኣብ ብልሹው ኣሰራርሓ ዝነበረን ንምልዋጥ ፃዕርታት እንተተገብሩ እኳ ብዘይምልዋጡ ክልወጥ ኣይክእልን  ዝብል ተስፋ ናብ ምቁራፅ ብርኪ በፂሑ ዝነበረን መንግስታዊ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብትግሃት ብምስራሕ ዓብዪ ሽግግር ዝተገብረሉ፣ ህዝቢ ግዚኡን ገንዘቡን ንልምዓት ንከውዕል ብዝገብር ማእኸል ምትካእ ተኻኢሉ እዩ ክብላ ተዛሪበን።

ብሃገር ውሽጢ ሰብ ሞያ ዝተሃነፁ ሕልምታት ሃገራዊ ትካላት ብለውጢ ምግስጓስ ከምዝኽእል መረጋገፂ ምዃኖም ኣመላኺተን።

እተን ከንቲባ ንናይ ሎሚ ሓዊሱ ነቶም ማእኸላት ኣብ ሓፂር እዋን ብፅሬት ብምህናፅ፣ ብምምኻር ከምኡ እውን እቶም ትካላት ብቴክኖሎጂ ንክማልኡ እጃሞም ንዘበርከቱ ኩሎም ምስጋናአን ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም