ነበርቲ እታ ከተማ ሓላፍነቶም ብምውፃእ ከባቢኦም ካብ ሓደጋ ውሕጅ ክከላኸሉ ይግባእ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ነበርቲ እታ ከተማ ሓላፍነቶም ብምውፃእ ከባቢኦም ካብ ሓደጋ ውሕጅ ክከላኸሉ ይግባእ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 16/2018 (ኢዜኣ)፦ ነበርቲ ከተማና መስመራት መወገዲ ፈሳሲ ብምፅራይን ጐሓፍ ብኣገባብ ብምውጋድን ከባቢኹም ካብ ሓደጋ ውሕጅ ክትሕልዉ ይግባእ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ ኣብ ኣቃቂ ቃሊቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዓይ ኣብ ዝዀነ ቦታ ስራሕቲ ምክልኻል ውሕጅን ምድላውነት ሓደጋን ብዕሊ ኣጀሚርና ኢለን።
ኣቃቂ ቃሊቲ ብተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጥኡ ታሕተዋይ ክፋል ኣዲስ ኣበባ ብምዃኑ፤ ቅድሚ ሕዚ ብሓደጋ ውሕጅ ብተደጋጋሚ ተጠቃዒ ኰይኑ ከምዝፀንሐ እውን ኣዘኻኺረን።
ሎሚ መዓልቲ ስራሕ ነዚ ከባቢ ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ኲሎም ቦታታት ከተማና ውሕጅታት ተፈጥሮኣዊ ዋሕዞም ሓልዮም ክውሕዙ ጎስጓስ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ህንፀትን ምፅራይን መስመራት መውሓዚ ፈሳሲ ኣቐፂልና ክብላ እውን ኣፍሊጠን።
ክቡራት ነበርቲ ከተማና ምምሕዳርና ኣብ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሓደጋ ምክልኻልን ከየጋጥም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብንቕሓት ተሳተፉ ክብላ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ብተወሳኺ መስመራት መውሓዚ ፈሳሲ ብምፅራይን ጐሓፍ ናብ መውሓዚ ፈሳሲ ብዘይምድፋእን ብኣገባቡ ብምውጋድን ከባቢኹም ካብ ሓደጋ ውሕጅ ሓልዉ ክብላ ኣተሓሳሲበን፡፡