ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ሓለዋ ኣየር ንብረት ጠንካራ ራእይን ዘበረታትዕ ኣፈፃፅማን ኣለዋ-ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 16/2018 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ሓለዋ ኣየር ንብረት ጠንካራ ራእይን ዘበረታትዕ ኣፈፃፅማን ከም ዘለዋ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ተሰያሚ ፕሬዚዳንት ኮፕ32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቻተም ሃውስ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ ለንደን ዘሰናደኦን “ኣብ ውሽጢ ዝተመቓቐለ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ኣገዳስነት ዋዕላታት ኮፕ ምጉላህ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተኻየደ ሰሙን ኣየር ንብረት መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ እውን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ተሰያሚ ፕሬዚዳንት ኮፕ32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፤ ፕሬዚዳንት ኮፕ30 ኣንድሬ ኮሬያ ካብ ብራዚል ከምኡ እውን ንኮፕ31 ዝወከሉ ሚኒስትር ከባቢ፣ ልምዓት ከተማን ለውጢ ኣየርን ቱርኪ ኣብቲ ዘተ ተሳቲፎም እዮም።
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ሓለዋ ኣየር ንብረት ጠንካራ ራእይን ዘለዋ ዘበረታትዕ ኣፈፃፅማን ኣልዒሎም።
ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ብፖሊሲ ተደጊፎም ተግባራዊ ዝተገበሩ ኣፈፃፅማታት ኣፅንኦት ብምሃብ ኣብራሆም።
ተሰያሚ ፕሬዚዳንት ኮፕ32 ዝኾኑ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ወሲኾም ከም ዝሓበርዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ እተሰናድኦ ኮፕ32 ቀዳሚ ተግባር ብቱርክን ኣውስትራሊያን ብሓባር ካብ ዝዳሎ ኮፕ31 ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብምብጋስ ቀፃልነቱ ምርግጋፅ ከም ዝኸውን ኣመላኺቶም።
እቲ ኣካይዳ ቅድሚ ኢትዮጵያ ጉባኤታት ኮፕ ምስ ዘዳለዋ ሃገራት ብምውዳድ ብምስራሕ ሓባራዊ ተግባራት ምጥንኻር ምዃኑ ጠቒሶም።
ከምኡ እውን ኣብ መስርሕ ብዙሕ ወገናት ዲፕሎማሲያዊ ዘሎ ተስፋ መሊስካ ምልዕዓል ዝብል መትከል “መደመር” ከም ዘንፀባርቕ ኣፅንኦት ሂቦም ገሊፆም እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም