ኩሉ ዜጋ ናብ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝለዓለ ተበግሶ ብምፅምባር ንዘላቒ ልምዓት ሃገር እጃሙ ከበርክት ኣለዎ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ ፤ሰነ 14/2018 (ኢዜኣ) ኩሉ ዜጋ ናብቲ ዝተጀመረ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብልዑል ተበግሶ ብምፅባር ንዘላቒ ልምዓት ሃገር እጃሙ ከበርክት ኣለዎ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ተስፋ ንትከል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ብዕሊ ኣጀሚሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብዚ እውን ከምዝበልዎ፤ ከም ሃገር ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ካብ ሓለዋ ከባቢ ብዝዘለለ ንዘላቕ ልምዓት ርኡይ እጃም ኣለዎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ኣሰር ዝተሰርሐ ዓብይ ስራሕ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝተረኸበሉ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
እቲ ስራሕ ሓለዋ ከባቢ ብብርኪ ትካል ተወዲቡ እናተሰርሐ ብምዃኑ እውን ነቲ ስራሕ ውፅኢታውን ዕዉትን ከምዝገበሮ ኣብራህሪሆም።
ብስራሕ ሓምለዋይ ፅባቐን ልምዓትን ድማ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ኣፍሪካ ብመርኣያነት እትግለፅ ከተማ እናኾነት ከም ዝመፀት ኣረዲኦም።
ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ዜጋ ናብቲ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝለዓለ ተበግሶ ብምፅምባር ንዘላቒ ልምዓት ሃገር እጃሙ ንከበርክት ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም