ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ንሓምለዋይ ሽፋን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ 24 ሚኢታዊ ኣዕብይዎ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 14/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከተማ ኣዲኣ ኣበባ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሓምለዋይ ሽፋን እታ ከተማ ናብ 24 ሚኢታዊ ከም ዘዕበዮ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ተስፋ ንትከል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ብዕሊ ኣጀሚሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተወደበ ኣግባብ ካብ ዝጅመር 8 ዓመታት ከም ዝገበረን ኣብዚ ከይዲ ድማ ዕዉታት ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡን ተዛሪበን።
በዚ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብዘሳለጦም ተኸታተልቲ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ሽፋን እታ ከተማ ምዕባይ ከም ዝኸኣለ ሓቢረን።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓምለዋይ ሽፋን ከተማ ኣዲስ ኣበባ 24 ሚኢታዊ ምብፃሕ ከም ዝተኽኣለ ኣረዲአን።
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት እውን ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝትከሉ ኣፍሊጠን።
ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ሓምለዋይ ሽፋን እታ ከተማ 30 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ተተሊሙ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ እውን ኣብራህሪሀን።
እቲ ንተኽሎ ተስፋና፣ ራኢናን ምግብናን እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ሎሚ ተስፋ ንትከል ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እንተኽሎም ፈልስታት ፅባሕ ዝሓሸትን ብልፅግናኣ ዝተረጋገፀን ኢትዮጵያ ንምህናፅ እዩ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም