ኣጀንዳ ልኣላውነት እዚ ወለዶ ሃገር ብቴክኖሎጂን ኢኮኖሚን ተወዳዳሪት ምግባር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 13/2018 (ኢዜኣ)፦ ፍልፍል  ውድድርን ንሕንሕን መፃኢ ዓለም ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ዘይኮነስ ፍልጠት፣ ፈጠራን ቴክኖሎጂን ምዃኑ ብምግንዛብ ሓዱሽ ወለዶ ሃገሩ ብኢኮኖሚ ተወዳዳሪት ናይ ምግባር ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ አለበል ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ  ብፕሮግራማት ቕድመ-ምረቓን ድሕረ-ምረቓን  ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 387 ተምሃሮ ኣመሪቑ ።
ኣቦ መንበር ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲትን ሚኒስትር ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰብ ስራሕ ብልሒ ፣ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ተሓዳሲ ሓይልን ዓለም ብቕልጡፍ ይቕይርዋ ከም ዘለዉ ገሊፀም።
ኢትዮጵያ ናብ ዘላቒ ብልፅግና ንምስጋር ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ኣብ ዘፈር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝግበሩ ስራሕቲ ፈጠራ ብፍሉይ ኩነታት ምብርትታዕ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።



ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ  ኣብ ህንፀት  ጠንካራ ኢኮኖሚን ኢንዱስትሪን ኢትዮጵያ መሰረት የንብር ከም ዘሎ ምስክርነቶም ሂቦም።
በቶም ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተሰርሑ ሰብ ስራሕ ብልሕን ስራሕቲ ፈጠራን ውፅኢት ምርምራትን  ቅመማ መድሓኒታት ብዝበለፀ ብምጥናኻር ናብ ዕዳጋ ንምእታው ተዋዲድካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ተዛሪቦም።
ተመረቕቲ ሎሚ ዘረኸብዎ ዲግሪ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ጉዕዞ  ፍልጠቶም እምበር ናይ መወዳእታ መዕረፊ ከም ዘይኮነ ብምግላፅ፤ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ዕዉታት ዝበሃሉ ሰባት ኵሉ ግዜ ክምሃሩ ድሉዋት ዝኾኑን ባዕሎም ዘመሓይሹን ጥራሕ ምዃኖም ኣረዲኦም።
ሃገርኩም ካብታትኩም ትፅበዮ ስራሕ ፈጠርቲ፣ መማዕበልቲ ቴክኖሎጂ፣ ፈታሕቲ ፀገማትን ብስነ-ምግባር ዝተሃነፁ መራሕትን ክትኾኑ እዩ ኢሎም።
ቀደሞት ኣቦታትን ኣደታትን ሃገር ብደምን ዓፅምን መስዋእትነት ልኣላውነታ ሓልዮም ከም ዘፅንሑዋ ኩሉ፣ ኣጀንዳ ሉኣላውነት  እዚ ወለዶ ድማ ሃገር ብኢኮኖሚን ብቴክኖሎጂን ተወዳዳሪት ምግባር ምዃኑ ኣብሪሆም።
ተመረቕቲ ኢትዮጵያ ብፍልጠትን ጥበብን ሓፍ ንምባል በርቲዖም ክሰርሑ ከም ዘለዎም ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም