ጉዕዞ ዕብየት ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ብሕራነ፣ ትግሃትን ፈጠራን መንእሰያት ተመራመርቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 13/2018 (ኢዜአ)፦ ጉዕዞ ዕብየት ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ብሕራነ፣ ትግሃትን ፈጠራን መንእሰያት ተመራመርቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር  ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ  ተመረቕቲ ተምሃሮ  2018 ዓ.ም  ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር  ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸብሉ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ኣመሪቑ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንተመረቕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ፣ ተመረቕቲ ዲጂታል ስግግርንን ጉዕዞ ልምዓትን ኢትዮጵያ ክመርሑ ከም ዘለዎም ኣገንዚቦም።
ስርዓት  ትምህርቲ ካብ ነባር ፍልጠታት ተበጊሱ ኣብዚ እዋን  ብትምህርቲ ኦንላይን ሰብ ስራሕ ብልሒን ኣብ ዝተደገፈሉ ብርኪ ከም ዝበፀሐ ብምጥቃስ፥ እቲ ናይ ሐዚ ወለዶ እውን ውፅኢት እዚ ቅልጡፍ ዘመን ለውጢ ምዃኑ ኣረዲኦም።


ኢትዮጵያ ዘቐመጠቶም ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት  ንምስኻዕ ድማ ፍልጠት ከፈልፍሉ፣ ቴክኖሎጂ ከማዕብሉን ኢንዱስትሪ ክሃንፁን ዝኽእሉ ፈተውቲ ሃገር መንእሰያት ሰብ ሞያ ምፍራይ ከም ዘድሊ ኣረዲኦም።

መንግስቲ ብዝቐረፆ ፖሊሲ ትምህርቲ ፖሊሲ ብምሕጋዝ ብቑዕን ውፅኢታውን ዝኾነ ሓይሊ ሰብ ንምህናፅ ብትግሃት ይሰርሕ ከም ዘሎ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ከም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ዝበሉ ትካላት ወለዶ ብፍልጠት፣ ብክእለትን ብስነ-ምግባርን ኣብ ምህናፅ ወሳኒ ተግደ ከም ዘለዎም ገሊፆም።

ናይ ትማሊ ኢትዮጵያ እትኽእሎ ሰሪሓ እያ፤ ካብዚ ንድሓር ዘላ ኢትዮጵያ  ኣብ ማእከርኩም ደው ኢላ ኣላ ክብሉ እ
ንተመረቕቲ ብኣፅንኦት ተዛሪቦም።

ተመረቕቲ እዚ ዓመት ብሕራነ ብምምርማርን ቴክኖሎጂ ብምፍጣርን ኢትዮጵያ ዓባይን ዝበለፀገትን ሃገር ክገብርዋ ከም ዝኽእሉ ኣገንዚቦም።

መንእሰያት ትኹረቶም ካብ ዝሰርቁ ኣሉታውያን ኣጀንዳታት ርሒቆም፣ ብሕራነ ብምልዓል ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ክፈጥሩን ሃገሮም ክቕይሩን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብፍላይ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ናብ ተግባር ኣብ ዝኣተወሉ ኣብዚ እዋን፣ ኢትዮጵያ ዘድልይዋ ፀገማት ሃገርን ዓለምን ክፍትሑ ዝኽእሉ ፈጠርቲ ቴክኖሎጂ፣ በዓል ራእይ ተመራመርትን ስራሕ ፈጠርትን ምዃኖም ኣመላኺቶም።

መንግስቲ ሰብ ሞያ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ተመረቕትን ኣብቲ ዓውዲ ብዝፍጠሩ ዕድላት ስራሕ  ኣወዳዲሩ ብምውፋር፣ ስራሕ ፈጠርትን ተመራመርትን ንምብርትታዕ ብፖሊሲ፣ ሕግን ኣሰራርሓን ከም ዝድግፍ እውን ገሊፆም።

ከም ዲጂታል መለለዪ መንነት፣ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል  መሶብ፣ ትርዓታት ዲጂታል  ፋይናንስ ከምኡ እውን ምስፍሕፋሕ ሰብ ስራሕ ብልሒ መርኣያ ዓቕሚ  መንግስትን ነቲ ዓውዲ ዝሃቦ ልዑል ቆላሕታን ምዃኖም ጠቒሶም።
ብፍልጠትን ብስነ-ምግባርን ዝተሃነፀ ወለዶ ንምፍራይን ንተስፋታት ፅባሕ  ኢትዮጵያ ዕውትነት ዘይተሓለለ ደገፍ ንዝገበሩ ስድራቤታት ተመረቕቲ፣ መምህራንን ንመላእ ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲትን ሃገር ተመስግነኩም ኣላ  ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም