ዓለም ለኸ ተወዳዳርነት ንምርግጋፅ ብቴክኖሎጂን ፈጠራ ስራሕን ትኹረት ምሃብ ይግባእ- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸ ተወዳዳርነት ንምርግጋፅ ብቴክኖሎጂን ፈጠራ ስራሕን ትኹረት ምሃብ ይግባእ- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/ 2018 /ኢዜኣ/ ዓለም ለኸ ተወዳዳርነት ንምርግጋፅ ብቴክኖሎጂን ፈጠራ ስራሕን ትኹረት ምሃብ ይግባእ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝቀያየር ዓለም ዘላቒ ልምዓትን ዓለም ለኸ ተወዳዳርነትን ንምርግጋፅ ኣብ ፍልጠት፣ ምርምር፣ ቴክኖሎጂን ክእለትን ትኹረት ክግበር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
መንግስቲ ዘቐመጦም ኣንፈት ልምዓት ንምዕዋት ብፖሊሲ ትምህርቲ ብምድጋፍ ብቑዕ፣ ፈጠራ ክህሎትን ሓይሊ ስራሕ ንምህናፅ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።
ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዳማ ቀዳማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዘምሀሮም ልዕሊ 1300 ተምሃሮ ሎሚ ኣመሪቑ ኣሎ።