ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ዝኾነ ዝተዋደደ መተግበሪ ዲጂታል አገልግሎት መሪቖም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ዝኾነ ዝተዋደደ መተግበሪ ዲጂታል አገልግሎት መሪቖም
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ 13/2018 (ኢዜኣ)፦ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ዝኾነ ዝተዋደደ መተግበሪ ዲጂታል አገልግሎት ሎሚ ብዕሊ መሪቖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ '‘ዲጂታል ንልህቀት'’ ብዝብል ስያመ ኣብ ዝተዳለወ ጉባኤ ብዝተፈላለዩ ትካላት ዝዋሃቡ ኣገልግሎታት ኣብ ሓደ መድረኽ ንዘጣመረን ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ዝኾነን ዝተዋደደ መተግበሪ ዲጂታል አገልግሎት ሎሚ ብዕሊ መሪቕና ኢሎም።
እዚ ዓብይ ዓወት ንሃገርና ዝለዓለ ኩርዓት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብቴክኖሎጂ ዝምራሕን ዓላማ ተኮር ኢንቨስትመንት እንታይ ውፅኢት ከምዝህልዎ መረጋገፂ ከምዘኾነ እውን ኣመላኺቶም ።
ወሰንቲ መሰረተ ልምዓት ኢኮኖሚ ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእኸል ዝኾኑ፣ግዘ ዜጋታት ዝቑጥብ፣በርታት ግዕዝይና ዝዓፁ ከምኡ እውን ተኣማንነትን ጥንካረን ትካላት መንግስቲ ዘጎልብት ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ልዕሊ ኹሉ ትልምታት ኢትዮጵያ ተራ ትምኒት ዘይኮኑስ ብባዕልናን ዓቕምናን እንሃንፆም ሓቅታት ከም ዝኾኑ ብግልፂ ዘመላኸት ምስክር እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ነዚ ዕውት ስራሕ ብቐፃሊ ንምሕያል ተሞክሮታትና ንኣፍሪካውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንክነካፍል ከምኡ እውን ካብዚ ዝበለፀ ውፅኢት ንምምዝጋብ ብትብዓት ንክንጎዓዝ ፃውዒተይ የቕርብ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።