ኢትዮጵያ ተሓጋጋዚት ኣቦ መንበርነት ቦርድ ፈንድ ፓንደሚክ ካብ ሩዋንዳ ተረኪባ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ተሓጋጋዚት ኣቦ መንበርነት ቦርድ ፈንድ ፓንደሚክ ካብ ሩዋንዳ ተረኪባ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 12 /2018 (ኢዜኣ):- ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ተሓጋጋዚት ኣቦ መንበር ላዕለዋይ ቦርድ ፈንድ ፓንደሚክ ኰይነን ተመሪፀን።
ፈንድ ፓንደሚክ ትሑትን ማእኸላይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ድንገተኛታት ሓደጋታት ጥዕና ንምክልኻል፣ ንምፍላይን ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብን ዘኽእለን ዓቕሚ ክሃንፃ ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝተጣየሸ በዓል ብዙሓት ወገነ ስርዓት ፋይናንስ እዩ።
እቲ ፈንድ እተን ሚኒስትር ኣብቲ ሓድሽ ሓላፍነተን ዓለምለኻዊ ሽርክና ክጠናኸርን ሃገራት ንምክልኻል ለበዳታት ንዝገብራኦ ኢንቨስትመንት ዝወሃብ ሓገዝ ብላዕለዋይነት ብምምራሕ ለውጢ ከም ዘምፅኣ ዘለዎ እምነት ገሊፁ።
ዶክተር መቅደስ ዳባ ነዚ ሓላፍነት እዚ ዝተረከባ ነበር ተሓጋጋዚ ኣቦ መንበርን ሚኒስትር ጥዕና ሩዋንዳን ዝኾኑ ዶክተር ሳቢን ንሳንዚማናን ብምትካእ እዩ።
ህይወት ህዝቢ ንምድሓንን ዓለምለኻዊ ውሕስነት ጥዕና ንምርግጋፅን፤ ጠንካራ ስርዓት ጥዕና ብሓባር ብምህናፅን ንዝቕፅል ወለዶ ምምሕልላፍን ከም ዝግባእ እተን ሚኒስትር ከም ዘተሓሳሰባ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና የመላኽት።