ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምኽክር ሃገራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ሓድነት ዘጠናኽር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ /12/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምኽክር ሃገራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ሓድነት ዘጠናኽር ምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ሳሙኤል ዶ ገሊፆም።

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እቲ ጉባኤ ምኽክር ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ከም ዘካይዶ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእሉ ኣድለይቲ ዝኾኑ ምድላዋት እናገበረ ይርከብ።

ኣብ ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ሳሙኤል ዶ ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ዘደንቕ ስራሕ ከም ዝሰርሐ ገሊፆም።

ምኽክር ኣብ ሓንቲ ሃገር ውሽጢ ዝረኣዩ መሰረታዊ ፀገማት ብምኽክር ብምፍታሕ ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ዘኽእል ምዃኑ ጠቒሶም።

ኢትዮጵያ ትካይዶ ዘላ ከይዲ ምኽክር ብውፅኢታውነት ንምቕፃል መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን እቲ ኮሚሽን ንዘርኣይዎ ቆራፅነት ዝለዓለ ምስጋና ይግብኦም ኢሎም።

ተሞኩሮ ላይቤሪያ ሓዊሱ ኣብ ኮሎምቢያ፣ ላቲን ኣሜሪካ፣ ኤስያን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኣፍሪካን ዝተገበሩ ሃገራዊ ምኽክራት ከም ዘፅንዑ ብምጥቃስ፤ ከይዲ ምኽክር ኣማራፂ ዘይብሉ መፍትሒ ምዃኑ ብኣፅንኦት ገሊፆም።

እቲ ከይዲ ልዑል ባህጊ፣ ዝለዓለ ቆራፅነትን ብሓባር ንቕድሚት ንምስጓም ጠንካራ ፅንዓትን ዝሓትት ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።

ሰላማውን ኣማራፂታት ምኽክር ሓባራዊ መፃኢ ዕድል ማሕበረሰብ ብዝበለፀ ብሩህ ከም ዝገብሩ ብምግላፅ፤ ብዙሓት ብሄራትን ዘደንቑ ታሪኻትን ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ሓድነታን ቀፃሊ ልምዓታን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ሓባራዊ ምኽክር ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ብንቕሓት ብምስታፍ ንዓወቱ ሃናፃይ እጃም ከበርክቱ ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም