ብክእለት ዝመራሕ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ብምጥንኻር ተረባሕነት ዜጋታት ዘዕብዩ ውፅኢታውያን ተግባራት እናተሳለጡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/ 12/2018 (ኢዜኣ)፦ ብክእለት ዝመራሕ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ብምጥንኻር ተረባሕነት ዜጋታት ዘዕብዩ ውፅኢታውያን ተግባራት እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ገሊፆም።

ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ብመንግስቲ ለውጢ ዝተተግበሩ ስራሕቲ ሪፎርም ኢኮኖሚያዊን ማሕበራውን ተረባሕነት መንእሰያት ዘዕብዩ ጭቡጣት ውፅኢታት ኣምፂኦም እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ዝተፈላለዩ ዓውድታት ን19 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ብምሕባር፣ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 75 ሚኢታዊ ዝኾኑ መንእሰያት ምዃኖም ተዛሪቦም።

እቲ ለውጢ ካብ ዘምፅኦም ዋና ዋና ዓወታት፣ መንእሰያት ካብቲ ልሙድ ሓሳብ ተቖፃርነት ወፅዮም ናብ ስራሕ መሃዛይነት ክሰጋገሩን ንካልኦት እውን ዕድል ስራሕ ክፈጥሩን ዘኽእሉ ምቹዋት ኩነታት ከም ዝተፈጠሩ ብኣብነት ጠቒሶም።

ብተወሳኺ ንግዳዊ ስራሕቲ ቤተሰብ ክስፋሕፍሐ ኣብ ምግባር ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ከምዝተረኽቡ ወሲኾም ገሊፆም።

ምስፍሕፋሕ ዲጂታል ቴክኖሎጂታትን ነቲ ዓውዲ ዝተውሃቦ ፍሉይ ትኹረትን ንመንእሰያት ዘመናዊ፣ ቅልጡፍን ምቹውን ዕድላት ስራሕ ዝፈጠረ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ዲጂታል ዕዳጋ ስራሕ ተወዳዳሪነት አቶም መናእሰይን ሃገርን ከምዘዕበዮ ኣረዲኦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮን ማሕበራዊ ሙና ኣሕመድ ብወገነን፤ ድሕሪ እቲ ለውጢ ዓቕሚ መንእሰያት ኣብ ምዕባይ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሳለጠ ጠቒሰን።

በዙይ ድማ ተስፋ ዝህቡ፣ ቀፃልነት ዘለዎን ብክእለት ዝመርሑን ዕድላት ስራሕ ብዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር ዓቢዪ ዓቕሚ ከምዝተሃነፀ ኣብሪሀን።

ተረባሒ ዕድል ስራሕ ዝኾነ ነባራይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንእሰይ ጋሻው ኣለሙ፤ ኣብ ስራሕ ጎማን ባትርን መኪና መሊስካ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ከም ዝተወፈረ ገሊፁ።

እቶም እነፍርዮም ፍርያታት ብኽለት ከባቢ ካብ ምክልኻልን ጉሓፍ ናብ ሃፍቲ ካብ ምቕያርን ሓሊፎም፣ ኣታዊ ሸርፊ ወፂኢ ዘዕብዩን ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን እዮም ኢሉ፡፡

ብማሕበር ብምውዳብ ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ፍርያት ዝትክኡ መገልገሊ ኣቑሑት ገዛን ቤት ፅሕፈትን የፍርዩ ከምዘለዉ ዝተዛረበ ድማ መንእሰይ አስቻለው ጌትዬ እዩ።

ብቐፃሊ እውን ተበፃሕነት ዕዳጋ ፍርያቶምን ዕድላ ስራሕን ብዝበለፀ ንምስፍሕፋሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም