ኢትዮጵያ ብክልትኣውን ብባዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማስን ዘለዋ ርክብ ብምጉልባት ዓለም ለኸ ተደማፅነታ ምብራኸ ኪኢላ እያ ።

ዞባዊ፣ ኣህጉራውን በዓል ብዙሕ ወገንን ዲፕሎማሲታት ሃገርና እዚ ዓመት

ካብ ኣፍሪካ ክሳብ ዓለም ለኸ መድረኽ-

*ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዝደንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ሕዳር 2025 (ፈረንጂ)

*ምስ ፕሬዝደንት እስራኤል ይስሐቅ ሄርዞግ ለካቲት 2026 (ፈረንጂ)

*ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ አንዋር ኢብራሂም ታሕሳስ 2025 (ፈረንጂ)

*ምስ ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን የካቲት 2025 (ፈረንጂ)

*ምስ ፕሬዝደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን (November 18 2025) (ፈረንጂ)

*ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን፦ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬር ማያርዲት ብፈረንጂ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ (2026)

ንዕላዊ ናይ ክልተ መዓልታት ስራሕ ዑደት፤ ምትእስሳር ቁጠባ ንምጥንኻር፣ ምትሕብባርን ኢንቨስትመንትን ንምስፋሕን ኣብ ሓባራዊ ናይ መፃኢ ልምዓት ጉዳያት ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም 'ዮም።

*ኢትዮጵያን ህንድን፦ ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2025 (ፈረንጂ) ንዕለዊ ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ ተዛትዮም 'ዮም። ዘተኦም ድማ ንስትራቴጂያዊምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምጥንኻር ዝጠመተ ነይሩ።

*ኢትዮጵያን ቻይናን፦ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ቻይና ዋንግ ዪ ብፈረንጂ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2026 ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ (ዶ/ር) ብኹነታት ዘይቀያየር ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር፤ ኣብ ቁጠባ፣ ንግዲ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ቀረብ ሓይልን ትራንስፖርትን ከምኡ 'ውን ሓደስቲ ኣብ ዝፍጠሩ ዘለዉ ከም ኢ-ኮሜርስ፣ ዲጂታል ቁጠባ፣ ሰብ ስራሕ ኣስተውሎት (Artificial Intelligence)ን ልምዓት ሓምለዋይ ሓይልን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ተዛትዮም 'ዮም።

*ኢትዮጵያን ፈረንሳይን፦ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብፈረንጂ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2026 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ ተዛትዮም 'ዮም።


 

*ኣብቲ ካልኣይ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ለካቲት 2026 (ፈረንጂ)፤ ንምትሕብባር፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ዙርያ ዘላቒ ልምዓትን ኣፍሪካን ኣውሮፓን ዘጠናኽር ትልሚ ማቴይን ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ተዛትዮም 'ዮም።

*ኣብ ወርሒ ሕዳር 2025 (ፈረንጂ) ኣብ ጆሃንስበርግ ካብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ ዒስራ ጎኒ ንጎኒ፤ ምስ ወራሲ ዓራት ልዑል ኣቡዳቢ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኤሚሬትስን ዘሎ ድልዱል ርክብ ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ኣብ ምስጋገር ዘተኮረ ዘተ ተኻይዱ 'ዩ።

*ኣብ ወርሒ ሕዳር 2025 (ፈረንጂ) ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ዒስራ፤ ብዛዕባ ምጥንኻር እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ክልተኣዊ ምትሕብባርን ርክብን ኢትዮጵያን ዩናይትድ ኪንግደምን ።

*ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል 17 ጉባኤ ብሪክስ ኣብ ብራዚል ከምኡ እውን

*ምስ ናይ ጣልያን መዘንኦም ጆርጂያ ሜሎኒን ኣብ ኻልኣይ ጉባኤ ጣልያን ኣፍሪካ

* ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

* ምስ ፕሬዝዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ

* ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቪየትናም ፋም ሚን ቺን

* ምስ ዳይሬክተር ኣይኤምኤፍ ክሪስታሊና ጆርጄቫ ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ውፅኢታዊ ዘተ ኣካይዶም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም