ንባህልታት ሰናይ ተግባር ክረምቲ ናብ ዝላዓሊ መግለፂ ክነሳግሮ ኢና -ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ


ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/ 12/2018(ኢዜኣ)፦ ንባህልታት ሰናይ ተግባር ክረምቲ ናብ ዝላዓሊ መግለፂ ክነሳግሮ ኢና ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ንኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ብዝምልከት መልእኸቲ ሰንዩ ኣሎ ።
ባህልታት ሰናይ ፍቐድ ክረምቲ ናብ መግለፂ ዝላዓለ ብርኪ ክነሳግሮ ኢና ፡፡
ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ክረምቲ ብዝመፀ ቑፅሪ እናሳልጦም ክልተ ዓበይቲ በህልታት እናሃነፅና መፂኢና ኢና፤ንኢትዮጲያ ሓምለዋይ ኣሰር ምልባስን ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድን ፡፡
ኢትዮጲያ ሃፍቲ ደን እናተመናመነ፣ ምሽርሻር ሓመድ ስዒቡ ንድርቂ ተቓዓለነታ እነወሰኸ ምምፅኡ ብምግንዛብ መንግስቲ ንመርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚሊዮን ዝቑፀሩ ፈልስታት ብምትካል ኣቢሉ ከምዘበሰረ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ጀሚሩ ዝፍለጥ እዩ ፡፡
ኢትዮጵያውያን ነዚ ሰናይ ተግባር ተገንዚቦም ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብተበግሶ ወሲዶም ንዓለም ዘስደምሙ ዕውታት ስርሓቲ ኣመዝጊቦም እዮም ፡፡
በብዓመቱ ብርክት ዝበለ በሚሊዮን ዝቑፀር ፈልሲ ብምትካል ንህዝቢ ዓለም ካብ ሓሙሽተ ዕፅፊ ዝበልፅ ልዕሊ 48 ቢሊዮን ፈልስታት ተኸልና ኢና ፤ በዚ እውን ሽፋን ደኒ ኢቲዮጲያ ትርጉም ብዘለዎ መጠን ኣዕቢና ኢና፤ ንሉዓላውነት ምግብና መሰረት ዝኸውን ኣንቢርና ንግዲ ወፃኢ ፍረምረታት ኣዕቢና፤ በዝሒ ሽፋን ደኒ ድማ ናብ 23.6% ዓብዩ እዩ ።
ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተኸልናዮም ፈልስታት ምግቢ፣ ደኒን ፈልስታት ፅባቐን ከምኡ እውን ንኩነታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝፃወሩ ዓቐሚ ዘለዎምን እዮም ፡፡
ኮይኑ እውን እዚ ክረምቲ ብዝመፀ ቑፅሪ ብመልክዕ ጎስጙስ ዝኸወን መርሃ-ግብሪ ባህሊ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝበለፅ ንኸጉልብት ብትግሃት ምስራሕና ክንቐፅል ኢና ፡፡ሎሚ ዘበን እውን ናይ ባዕልና ናይ ክብሪ ወሰና ዓርስና ብምምሕያሽ ልዕሊ 8 ቢሊዮን ፈልስታት ክንተክል ኢና፡፡
ኣብ ለውጢ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ክልላትን ናይ ብርክት ዝበሉ ወገናትና ኣባይቲ ታሃዲሶም እዮም፤ ብሓድሸ መልክዕ እወን ታሃኒፆም፤ ኣብ ከተማታት ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪዶር ናብ ገፀራት ተስፋሕፊሑ እዩ ፡፡
ተምሃሮ ዩኒቨርሰቲ ናብየ ከባቢኦም ብምኸያድን ንኣገልግሎት ዶብ ሰገር ሰናይ ፍቓድ ንኣናእሽቶም እናምሀሩ፣ ክም ለግሲ ደም ዝኣመሰሉ ነብሲ ዘድሕኑ ተግባራት እናታሓባበሩ ፣ንዓቐመ ድኹማን ወገናት ብምሕጋዝ ልዑል ኣበርክቶ ኣብ ምብርካት ይርከቡ፡፡
ኮይኑ እውን ክረምቲብዝመፀ ቑፅሪ ብሰናይ ልምዲ እናዕበናዮም ዝመፃእና ሓምለዋይ ኣሰርን ስርሓቲ ሰናይ ፍቓድን ብዝበለፅ መግለፂ ሃገራዊ መግለፅታትና ንክኾኑ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝበለፀ ተሳትፎ ዝሓትት ትልሚ ተዳልዩ ኣሎ ቅድመ ምድላው እውን ተገይሩ ።
ብዝተደመረ ዓቐምና ንትልሚ ኢትዮጲያ ብዝግባእ ንምዕዋት ቅድመ ምድላው ወዲኢና ናብ ተግባር ኣቲና ኣለና ።ዓዎትና ብሓባር እነበስረሉ ስራሕ እውን ክኸውን እዩ ።
ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ
ግንቦት 12 /2018 /ዓ.ም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም