ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ማዕቐብ ቪዛ መንገዲ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ንዓለም ዘጋለፀ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ማዕቐብ ቪዛ መንገዲ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ንዓለም ዘጋለፀ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ፅንፈኛን ዘይሕጋውን ጉጅለ ህወሓትን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ማዕቐብ ቪዛ መንገዲ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ንዓለም ዘጋለፀ እዩ ክብሉ ኣባል ቤት ምኽሪ፣ ምክትል ሓላፊ ዘፈረ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ፓርቲ ስምረት ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም ገሊፆም።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግን ጎንፂ ንምውላዕን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓትን ቀረባ ቤተሰቦምን ማዕቐብ ቪዛ ከም ዘንበረት ሎሚ ምግላፃ ዝፍለጥ እዩ።
ኣባል ቤት ምኽሪ፣ ምክትል ሓላፊ ዘፈረ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ(ስምረት) ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም እቲ ማዕቐብ ቪዛ ብዝምልከት ንኢዜኣ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ እቲ ስጉምቲ መንግሥቲ ኣሜሪካ ፅንፈኛ ጉጅለ ነበር ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ኲናትን ስራሕ ምፍራስ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን ብኣግባቡ ዝተረድአ ከም ዝኾነ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኣሜሪካ እቲ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝተፈረመሉ እዋን ጀሚሩ ብቐረባ እናተኸታተለት ከም ዝነበረት እውን እቲ ውሳነ መረጋገፂ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ብሙሉእ ብምፍራስ እዋኑ ዝሓለፎን ዝፈረሰን ቤት ምኽሪ ዳግማይ ብምውቓር ናይ ባዕሉ ፕሬዚዳንትን ሓዱሽ ካቢኔን ምምራፁ ንኲናትን ጎንፅን ከም ዝተዳለወ ዘርኢ ከም ዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ሰፊሕ ወታደራዊ ምድላው እናገበረ ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንደለይቲ ሰላም ዓብይ ብስራት ከም ዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስእነት ሰላምን ኲናትን ንዝፈጥር ዘሎ ጉጅል ፈልዩ ዝወቕዐ ከም ዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም።
እቲ ማዕቐብ ቪዛ ውፅኢት ኩሎም ደለይቲ ሰላም ሓይልታት ትግራይን ውድቦምን ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ይኹን እምበር እቲ ስጉምቲ ካብዚ ንላዕሊ ክጠናኸር ከም ዝግባእ ኣመላኺቶም።
እቲ ጉጅለ ክሳብ ሕዚ ዝገብሮ ዘሎ ተግባር ግልፂ ስራሕ ግብራ ራዕዲ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ጠዓመ፤ ከም ካልኦት ዓለም ለኸ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ብመንግስቲ ኣሜሪካን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ብኣሸባሪነት ክምዝገብ ይግባእ ኢሎም።
መንግሥቲ ፌዴራል እውን ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይሕጋውን መኽረርን ጉጅለ ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።