እገዳ ቪዛ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ወጥሪ ንፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ተሓታቲ ዝገበረ እዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ልዕሊ ፅንፈኛታት መራሕቲ ህወሓትን ስድራቤቶምን ዝተነበረ እገዳ ቪዛ ኣሜሪካ መራሕቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ምጉህሃር ቀጥታዊ ተሓተትቲ ምዃኖም ዘርኢ እዩ ክብሉ ነበር ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግን ጎንፂ ንምውላዕን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓትን ቀረባ ቤተሰቦምን ማዕቐብ ቪዛ ከም ዘንበረት ሎሚ ምግላፃ ዝፍለጥ እዩ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነዚ ስጉምቲ ብዝምልት ንኢዜኣ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ እቲ  እገዳ ምስቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብረብሓ ይኹን ብስትራቴጂ ይተሓባበሩ እዮም ተባሂሎም ንዝጥርጠሩ ከም መራሒ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ንዝበሉ ሓይልታት ወፃኢ  እውን ዝተመሓላለፈ ንፁር መጠንቀቕታ እዩ ኢሎም።
ክብደት ናይቲ ስጉምቲ  ቪዛ ምክልኻሉ ጥራሕ ኣይኮነን፤ የግዳስ ዋሽንግተን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ወጥሪ ተሓታትነቱ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ልዕሊ እቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ምግባራ እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ኣይተ ጌታቸው ብዛዕባ እቲ ስጉምቲ እንተብራህርሁ፤ እቲ እገዳ ቪዛ ብፍላይ ምስ ደብረፅዮን ብቐረባ ንዝሰርሑን ኣብ ክልል ትግራይ ንዝረአ ዘሎ ቅልውላው ምውሳኽ ምኽንያት ኣብ ዝኾኑ ኣኽረርቲ ኣባላት ህወሓትን ዘቕንዐ ከም ዝኾነ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም