ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንዝህውኹ ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ዘንበረቶ ማዕቐብ ዝነኣድን ፅቡቕ ጅማሮን እዩ-ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ዓምዶም ገብረስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 11/2018(ኢዜኣ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንዝህውኹ ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓትን ቀረባ ቤተሰቦምን ዘንበረቶ ማዕቐብ ቪዛ ዝነኣድን ፅቡቕ ጅማሮን ከም ዝኾነ ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ንሉኣላዊነትን ዲሞክራስን ዓምዶም ገብረስላሴ ገሊፆም።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግን ጎንፂ ንምውላዕን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓትን ቀረባ ቤተሰቦምን ማዕቐብ ቪዛ ከም ዘንበረት ኣፍሊጣ እያ።

ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ነዚ ማዕቐብ ኣሜሪካ ብዝምልከት ንኢዜኣ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ መራሕቲ ዓሌታዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መስካሕክሒ በደል እናፈፀሙ ከም ዝርከቡን ኲናት ንምጅማር ምድላው እናገበሩ ከም ዝኾኑን ተዛሪቦም።

ስለ ዝኾነ ድማ ይብሉ ኣይተ ዓምዶም፤ ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዝራግን ጎንፂ ንምፍጣርን ዝንቀሳቐሱ መራሕቲ ጉጅለ ህወሓትን ቀረባ ቤተሰቦምን ዘንበረቶ ማዕቐብ ቪዛ ዝነኣድን ፅቡቕ ጅማሮን እዩ።

እቲ ማዕቐብ ቪዛ ዋላ ኳ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዘብፀሖ በደል ንእሽተይ እንተኾነ፤ ኣብ ቀፃሊ ውፅኢት እዚ ስጉምቲ ተራእዩ ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ዘለዎም እምነት ሓቢሮም።

ጉጅለ ህወሓት ዝገብሮ ዘይሕጋውን ሰላማዊ ዘይኮነን ከምኡ እውን ኲናት ንምውላዕ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ንትግራይ፣ ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ቅልውላው ከስዕብ ስለ ዝኽእል ንስጉምቲ ኣሜሪካ ብምንኣድ፤ ከም ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦትን ዝበሉ ዓለም ለኸ ትካላት እውን ነዚ ስጉምቲ ንክቕፅልሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ከም ውድብ ዓረና ቅድሚ ክልተ መዓልቲ መግለፂ ከም ዘውፅኡን እቲ መግለፂኦም እውን መንግስቲ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዲፕሎማሲያውን ካልኦትን ፅዕንቶታት ንክገብሩ ፃውዒት ከም ዘቕረቡን ብምሕባር፤ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣሜሪካ ሎሚ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ትኽክለኛን ዝነኣድን ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።

ስለ ዝኾነ ድማ እቶም ብፍላጥን ብዘይ ምፍላጥን ኣብ ጎኒ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘለዉ ኣካላት መንገዲ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ መንገዲ ጥፍኣትን ግብረ ራዕድን ከም ዝኾነ ፈሊጦም ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።

ካልኦት ኣብ ከምዚ ዓይነት መንገዲ ጥፍኣት ዝተዋፈሩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ጎረቤት ሃገራት ዘለዉ ኣካላት እውን ብሓይልን ብብረትን ዝሓስብ ሓይሊ መወዳእትኡ ዕንወትን ጥፍኣትን ከም ዝኾነ ተረዲኦም ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ቃልሲ ንክገብሩ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም