ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ዝህውኹ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ህወሓት ማዕቐብ ቪዛ ኣንቢራ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ዝህውኹ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ህወሓት ማዕቐብ ቪዛ ኣንቢራ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግን ጎንፂ ንምውላዕን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓትን ቀረባ ቤተሰቦምን ማዕቐብ ቪዛ ከም ዘንበረት ኣፍሊጣ።
ሚኒስትር ጒዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ማዕቀብ ዝተነበረ ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዓንቀጽ 212(a)(3)(C) ብዝተዋህቦም ስልጣን ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ እገዳ ቪዛ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕርታት ኣብ ልዕሊ ዘዕንቅፉ፣ ሰላም ኣብ ዝዘርጉ ፅንፈኛታት ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤቶምን ዝቐንዐ እዩ።
ኣሜሪካ ብሰላምን ብክብርን ክነብር ምስ ዝደሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጐኒ ደው ከምትብል ኣፍሊጣ።
ዋሽንግተን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰበ-ስልጣናት ህወሓትን ካልኦት ውልቀሰባትን ተግባራት ንምቅላዕን ከምኡ እውን ተሓታትነት ንምስፋንን ዘለዉዋ ኩሎም ዲፕሎማሲያዊ ኣማራፂታት ምጥቃም ክትቅፅለሉ ምዃና ገሊፃ።