ፍርያትን መፍረያይነትን ቡን ንምዕባይን ፅሬቱ ንምሕላውን ዝተሳለጡ ተግባራት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ እቲ ዓውዲ እናዕበዩ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ፍርያትን መፍረያይነትን ቡን ንምዕባይን ፅሬቱ ንምሕላውን ዝተሳለጡ ተግባራት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ እቲ ዓውዲ እናዕበዩ እዮም
ሃዋሳ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ)፦ ፍርያትን መፍረያይነትን ቡን ንምዕባይን ፅሬቱ ንምሕላውን ዝተሳለጡ ተግባራት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ እቲ ዓውዲ እናዕበዩ ከም ዝኾኑ በዓል መዚ ቡንን ሻህን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ በዓል መዚ ኣብ ኢንዱስትሪታት መዳለዊ ቡን ምድላው ቨርሚ ኮምፖስትን ኣብ ክላስተር ቡንን ዘተኮረ መድረኽ ተሞኩሮ ልውውጥ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣካይዱ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣዱኛ ደበላ( ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፤ ፍርያትን መፍረያይነትን ቡን ንምዕባይን ፅሬት ቡን ንምሕላውን ዝተሳለጡ ተግባራት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ እቲ ዓውዲ የዕብይዎ ኣለዉ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ስርዓት ዕድጊት ቡን ዝተገበሩ ሪፎርምታት ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘምፅኡ ብምጥቃስ፤ እቶም ስራሕቲ ሪፎርም ተፈጥሮኣዊ መቐረት ቡን ክሕሎን ዓደግቲ ፍርያት ብቐጥታ ክረኽቡን ኣኽኢልዎም እዩ ኢሎም።
በዙይ ድማ ንዓለም ዕዳጋ ዝቐርብ ዓቐንን ፅሬትን ቡን እናዓበየ ከምዝመፀ ብምሕባር፤ ኣብዚ ዓመት ንዓለም ዕዳጋ ካብ ዝቐርብ ቡን 3 ቢሊዮን ዶላር ንምርካብ ሸቶ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ ቡን ዋላ እንተወረደ፤ ፅሬትን ደረጃን ቡን ኢትዮጵያ ፅቡቕ ብምዃኑ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሐሸ ዋጋ ከምዝተሸጠ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ፅሬት ቡን ንምሕላውን ፍርያትን መፍረያይነትን ቡን ብዝበለፀ ንምዕባይን ስራሕቲ ምውዳድ በበከባቢኡ ዘለዉ ብሉፃት ተሞክሮታት ብትኹረት ክስርሐሉ እዩ ኢሎም።
እቲ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን ኣብ ክልል ሲዳማ ኣብ ኢንዱስትሪታት መዳለዊ ቡንን ኣብ ሕርሻ ሓረስቶት ዝሳለጥ ዘሎ ተሞኩሮ ኣሰራርሓ ቨርሚ-ኮምፖስት ብምስፋሕ ኣብቲ ዓውዲ ዝርከብ ረብሓ ንምዕባይ ዝዓለመ ምዃኑ ተዛሪቦም።