ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ 8 ሓምለ 2018 ጀሚሩ ንዘካይዶ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ 8 ሓምለ 2018 ጀሚሩ ንዘካይዶ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ)፦ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ 8 ሓምለ 2018 ጀሚሩ ንዘካይዶ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።
ነዙይ ድማ ሎሚ መዓልቲ ንኣመኻኸርቲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ስልጠና ግንዛበን ክእለትን ምሃብ ጀሚሩ።
እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ስልጠና ኣመኻኸርቲ ካብ 11 ሰነ ጀሚሩ ክሳብ 17 ሰነ ቀን 2018 ዓ.ም ንሸውዓተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ መርሃ ግብሪ ስልጠና ፍልልያት ብዘተ ዝፍትሑላ፣ ብግልፅነትን ብምርድዳእን ዝቕረፉላ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ብሓባር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዓብዪ ምዕራፍን ዓወትን እዩ።
ኣመኻኸርቲ እቲ ዓብዪ ሃገራዊ ሓላፍነት ብተኣማንነት ዝሽከሙ በዓል ሕድሪ ምዃኖም ብምጥቃስ፤ ንባዕሎም ማሕበራዊ፣ ህዝባዊን ዴሞክራሲያዊን መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ብሓባር ዝሃንፁ ታሪክ ሰራሕቲ ገይሮም ክርእዩ ከምዘለዎም እውን ኣገንዚቦም።
እቲ ስልጠና ኣመኻኸርቲ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ዝሕሉ ከምኡ እውን ንሰላም፣ ንፍትሒን ንሓድነትን ዘለዎም ሓባራዊ ትምኒት ዘዕውት ምኽክር ንምምራሕ ዘኽእሎም ፍልጠት፣ ክእለትን ክብርታትን ክጭብጡ ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ኣመኻኸርቲ ኣብ እዋን እቲ ጉባኤ ኩሎም ተሳተፍቲ ማዕረ ዕድል ምዝራብን ምስታፍን ከምዘለዎም ምርግጋፅ፣ ኣብ እዋን ዘተ ዝልዓሉ ዘይምርድዳኣት ብኣግባቡ ምምራሕ ከምኡ እውን እቲ ዘተ ናብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክምራሕ መንገዲ ከርእዩ ትፅቢት ይግበረሎም ኢልም።
ኣመኻኸርቲ እዚ ዓብዪ ሃገራዊ ሕድሪ ብትሕትና፣ ብገለልተኝነትን ብትዕግስትን ክዋፅእዎ እውን ሓደራ ኢሎም።
ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ልምዓት (UNDP) ተወካሊ ኢትዮጵያ ሳሙኤል ዶ ብወገኖም ኣመኻኸርቲ ኣብቲ ከይዲ ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ስምዒታት ብኣግባቡ ክርድኡን ክፈልዩን ከም ዝግባእ ገሊፆም።
ስምዒታት ብጥንቃቐ ብምትእንጋድ ናብ ሃናፂ ሓባራዊ ተሳትፎ ክቕየሩ ምሕጋዝ ናይቶም ኣመኻኸርቲ ቀንዲ ግደ ክኸውን ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦምሉ።
ምክትል ሓላፊ ኤምባሲ ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ሄድቪግ ሎህም ንዕውትነት እቲ ምኽክር ስዊድን እጃማ እናበርከተት ከም ዝኽነት ገሊፀን።
ኣካል ከይዲ እቲ ምኽክር ዝኾኑ ኣመኻኸርቲ ኣብ እዋን እቲ ሃገራዊ ጉባኤ ሓላፍነቶም ብቆራፅነት ክወፅኡ ከምዝግባእ እውን ሓቢረን።