ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ምስላጥ ዓብዪ ግደ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ምስላጥ ዓብዪ ግደ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ካብ ምድጋፍን ሃገራዊ ልምዓት ካብ ምስላጥን ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ድልዱል ማሕበራዊ ምትእስሳር ኣብ ምፍጣር ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ እዚ ዓመት ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ሸዋ፣ ወረዳ ጎሮ ሎሚ ብዕሊ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መኽፈቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ካብ ምድጋፍን ሃገራዊ ልምዓት ካብ ምስላጥን ሓሊፉ ኣብ መንጎ ህዝብታት ድልዱል ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምፍጣር ዓብዪ ረብሓ ከም ዘለዎ ገሊፆም።
ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ብቐንዱ ዓቕሚ ናይ ዘይብሎምን ወገናት ኣባይቲ ምፅጋን፣ ምሕዳስን ሓደሽቲ መንበሪ ኣባይቲ ምስራሕን ዘጠቓልል እዩ ኢሎም።
ከምኡ እውን ሃገር በቆል ፍረታት ፈልስታትን ብምትካል ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ብትኹረት ከምዝሳለጡ ወሲኾም ገሊፆም።
ብተወሳኺ ብዓቕሚ ህዝቢ ዝህነፁ፣ ቀበሌ ምስ ቀበሌ ከምኡ እውን ሰፈር ምስ ሰፈር ዘራኽቡ መንገድታት ገጠር፣ ማእኸለዎት ድልድላት፣ ፋርማሲታትን ጥዕና ኬላታትን ከምዝህነፁ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተን ሹዱሽተን ዓመታት ብኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ 35 ሺሕ ዝኾኑ ኣብያተ ትምህርቲ መዋእለ ህፃናት ተሃኒፆም ልዕሊ 4 ሚሊዮን ህፃናት ተረባሕቲ ክኾኑ ከምዝተገብረ ጠቒሶም።
እዙይ ድማ ህፃናት ናብ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ቅድሚ ምስግጋሮም መሰረታዊ ፍልጠት፣ ባህልን ማሕበራዊ ርክባትን ቀሲሞም ክዓብዩን ምቁራፅ ትምህርቲ ንምንካይን ዓብዪ ኣበርክቶ እናገበረ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብልፅግና ሃገር ብዓቕሚ ገንዘብን በጀት መንግስቲን ጥራሕ ክረጋገፅ ከምዘይኽእል እውን ተዛሪቦም።
ብልፅግና ክረጋገፅ ዝኽእል ጉልበት፣ ሃፍቲ፣ ፍልጠትን ህዝቢ ምስ ትልምታት መንግስቲ ኣወሃሂድካ ብምጥቃም ከም ዝኾነ ብምሕባር፣ እዚ ድማ ብዙሓት ፀገማት ምፍታሕ ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም።
ዝሰርሕ ኢድ፣ ዝዛረብ ኣፍን ዝሓስብ ኣእምሮን ብሓባር ክወሃሃዱ ከለዉ ለውጢ ከምፅኡ ከምዝኽእሉ እውን ተዛሪቦም።
ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ካብ 20 ክሳብ 30 ሚሊዮን ዝበፅሕ ህዝቢ ዝሳተፈሉ ዓብዪ ሃገራዊ ጎስጓስ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መናእሰይ ነዚ ኣጋጣሚ ክጥቀሙሉ ይግባእ ኢሎም።
በዙይ ድማ ኣብ ሕድሳት ኣባይቲ፣ ምትካል ፈልስታትን ስራሕቲ ሕርሻን ኣሰሮም ከዕርፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ዓበይቲ እውን ኣብቲ ከይዲ ንመናእሰይ ወለዶ ባህሊ፣ ቋንቋን ስርዓትን ብምምሃር ግደኦም ክወፅኡ ሓቲቶም።
ኣብ ቅድሜና ዘሎ እዋን መሰረታዊ ዝኾኑ ፀገማት ኢትዮጵያ ዝፍትሑሉን ልዑል ስራሕ ዝሓትትን ብምዃኑ፣ መላእ ህዝቢ ኣብዚ እዋን ክረምቲ ግዚኡ ብኣግባቡ ብምጥቃም ንብልፅግና ኢትዮጵያ እጃሙ ክወፃእ ኣፅንኦት ሂቦም።