ስራሕ ህዝብን መንግስትን እንትድመር ብልፅግና ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ይከኣል-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ) እቲ ህዝቢ ዘሳልጦም ስራሕቲ ምስ ፃዕርታት መንግሥቲ እንትድመሩ እቲ ዝድለ ብልፅግና ሃገር ምርግጋፅ ከም ዝከኣል ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎስጓስ ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ እዚ ዓመት ኣብ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ጎሮ ሎሚ ብዕሊ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዝተፈላለዩ ውፅኢታት ተረኺብሎም እዩ።
ኣብ ስራሕ ሰናይ ፍቓድ ካብ ዝምደቡ ዋና ዋና ስራሕቲ ህንፀት ኣባይቲ እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ በዚ ድማ ዓቕሚ ናይ ዘይብሎም ወገናት ኣባይቲ ምፅጋን፣ ምሕዳስን ምስራሕን ከም ዝሳለጥ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ሃገር ቦቆል ኣግራብ ምትካል፣ መንገድታት ገጠርን ኣናእሽተይ ድልድላትን ብህዝባዊ ዓቕሚ ምህናፅ ከምኡ እውን ፋርማሲታትን ኣብያተ ትምህርቲ መዋእለ ህፃናትን ምህናፅ ኣካል እዚ ስራሕ ሰናይ ፍቓድ ከም ዝኾኑ ኣብራህሪሆም።
ከምቲ ዓሚ ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ ሎሚ ዓመት እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ወሊሶ ዝተወሰኑ ኣባይቲ ከም ዝሃንፅ ብምግላፅ፤ ኣብ ዞባታት ወልቂጤ፣ ስልጤ፣ ወራቤን ሃዲያን ከምኡ እውን ኣብ ከምባታ እቲ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ዘሳለጥዎም ስራሕቲ ህንፀት ኣባይቲ እናሰፍሑ ብምምፅኦም ኣብቲ ከባቢ ዝጭበጥ ውፅኢታት ከም ዝተረኸቡ ተዛሪቦም።



ተስፋና ኣብ ኩሎም ክልላትን ዞባታትን ዝርከብ ሕድ ሕድ ማሕበረሰብ ተሓባቢሩ ዓቕሚ ናይ ዘይብሎም ወገናት ገዛ ንክሰርሕ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ንክሃንፅ፣በከባብያዊ ዓቕሚ ዝህነፁ መንገድታትን ጥዕና ጣብያታትን ንክሃንፅ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ህዝቢ ዝሰርሖ ስራሕ ምስ መንግሥቲ እንትድመር እቲ ዝድለ ብልፅግና ምርግጋፅ ከም ዝከኣል እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ሃፍታ ህዝባ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ እዋን ጉልበቱ፣ ሃፍቱን ፍልጠቱን ብምድማር ብዙሓት ፀገማት ምፍታሕ ከም ዝኽእል ኣረዲኦም።
ብሓፈሻ ስራሕ ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ዝሳተፍሉ፣ ገንዘብን ሃፍትን ዝፈሰሉ ከምኡ እውን ጉልበት ዝወፀሉ ዓንይ መግለፂ ምትሕብባር እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሃነፁ 35 ሽሕ መዋእለ ህፃናት ብመንግስቲ ዘይኮነስ ብተሳትፎ እቲ ህዝቢ ዝተሳለጡ ከም ዝኾኑ ብምዝኽኻር፤ እዞም መዋእለ ህፃናት እዚኣቶም ሃገር ዝርከብ ወለዶ ንምህናዝዝ መሰረት ዝቕመጠሎም ከም ዝኾኑ ኣገንዚቦም።
ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ልዕሊ በጀትን ልምዓትን ከም ዝኾኑ ብምሕባር፤ እቶም ስራሕቲ ንዘተሓባብሩ ዜጋታት ዘተኣሳስሩ፣ ዘተሓባብሩ፣ ዘዋህዱን ዘላልዩን ከም ዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ካብ ስራሕን ጥንካረን ወፃኢ እትህነፅ ሃገር ከም ዘየላ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ ተሓባቢርና እንተሰሪሕና በቲ ዝተሓሰበ መንገዲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ከም ዝከኣል ጥርጥር የብሉን ኢሎም።



ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘበን ብዙሕ ድኻም፣ ብዙሕ ስራሕን ልዑል ውፅኢትን ዝሓትት ከም ዝኾነን መሰረታዊ ዝበሃሉ ፀገማት ኢትዮጵያ መልክዕ ዝሕዝሉን እዋን ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን ኩሉ ብሓባርን ብምትሕብባርን ስርሑ ንክሰርሕ መልእኽቲ ሓደራ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ነዚ ክረምቲ ንጠቐመሉ፣ ነቲ ዝናብ ንጠቐመሉ፣ ነቲ ግዘ ንጠቐመሉ፤ ንብልፅግና ኢትዮጵያ ሓደ ሓደ ሸኽላ ጡብ ነቕምጠሉ ሰናይ ዜጋታት ይግበረና ክብሉ ወሲኾም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም