ንኣመኻኸርቲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ስልጠና ግንዛበን ክእለትን ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ)፦ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንኣመኻኸርቲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ስልጠና ግንዛበን ክእለትን ምሃብ ጀሚሩ።
እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝውሃብ ዘሎ ስልጠና ኣመኻኸርቲ ካብ ሎሚ 11 ሰነ ጀሚሩ ክሳብ 17 ሰነ 2018 ዓ.ም ንሸውዓተ መዓልታት ከምዝፀንሕ ተመላኺቱ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሸን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ መርሃ-ግብሪ ስልጠና ፍልልያት ብዘተ ዝፍትሑላ፣ ብግልፅነትን ብምርድዳእን ዝቕረፉላ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ካልእ ዓብዪ ምዕራፍን ዓወትን እዩ።
ኣመኻኸርቲ እዙይ ዓብዪ ሃገራዊ ሓላፍነት ብተኣማንነት ዝሽከሙ በዓል ሕድሪ ምዃኖም ብምጥቃስ፤ ንባዕሎም ማሕበራዊ፣ ህዝባዊን ዴሞክራሲያዊን መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ብሓባር ዝሃንፁ ታሪክ ሰራሕቲ ገይሮም ክርእዩ ከምዘለዎም እውን ኣተሓሳሲቦም።
እቲ ስልጠና ኣመኻኸርቲ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ዝሕሉ ከምኡ እውን ንሰላም፣ ንፍትሒን ንሓድነትን ዘለዎም ሓባራዊ ትምኒት ዘዕውት ምኽክር ንምምራሕ ዘኽእሎም ፍልጠት፣ ክእለትን ክብርታትን ክጭብጡ ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ኣመኻኸርቲ ኣብ እዋን እቲ ጉባኤ ኩሎም ተሳተፍቲ ማዕረ ዕድል ምዝራብን ምስታፍን ከምዘለዎም ምርግጋፅ፣ ኣብ እዋን ዘተ ዝልዓሉ ዘይምርድዳኣት ብኣግባቡ ምምራሕ ከምኡ እውን እቲ ዘተ ናብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክምራሕ መንገዲ ከርእዩ ትፅቢት ይግበረሎም ኢልም።
ኣመኻኸርቲ እዚ ዓብዪ ሃገራዊ ሕድሪ ብትሕትና፣ ብገለልተኝነትን ብትዕግስትን ክዋፅእዎ እውን ሓደራ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም