ኢትዮጵያን ቻይናን ዘለወን ክልቲኣዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ከም ዝሰርሓ ገሊፀን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ቻይናን ዘለወን ክልቲኣዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ከም ዝሰርሓ ገሊፀን
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 10/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያን ቻይናን ሓባራዊ ድሌታተን ኣብ ዝኾኑ ዓውድታት ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ከም ዝሰርሓ ኣፍሊጠን።
ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼን ሃይ ሎሚ ዘትዮም።
እቲ ዘተ እናዓበየ ዝርከብ ምትሕብባርን ክልቲኣዊ ርክብን እተን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ዝጠመተ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሕዳር ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ ሓምለዋይ ልምዓት፣ለውጢ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ጉዳያትን ብዝምልከት እውን ሓሳባት ተለዋዊጦም እዮም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ኮፕ 32) ብዝምልከት ኣብ ዝግበሩ ምድላዋት ሎጂስቲክስ ምድጋፍ ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ምትሕብባር ዘትዮም እዮም።
ክልቲኦም ወገናት ሓባራዊ ድሌታቶም ኣብ ዝኾኑ ዓውድታት ዘለዎም ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ቆራፃት ከም ዝኾኑ ምርግጋፆም እውን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት።