ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ንውፅኢታውነት ስርዓት ዕድጊት መንግስቲ ልዑል ኣበርክቶ እናገበረ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 10/2018 (ኢዜኣ) ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ንውፅኢታውነት፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ስርዓት ዕድጊት መንግስቲ ልዑል ኣበርክቶ እናገበረ ከም ዝርከብ በዓል መዚ ንብረትን ዕድጊትን ፌደራል ኣፍሊጡ።

ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ልዕሊ 370 ቢሊዮን ብር ብኤሌክትሮኒክ ስርዓት ዕድጊት ከምተፈፀመ እውን ተጠቒሱ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ንብረትን ዕድጊትን ፌደራል መሰረት መስቀሌ ንኢዜአ ከምዝበላኦ፤ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ስርዓት ቁፅፅር ንምጥንኻርን ዓቕሚ ትካላት ንምጉልባት ኣሰራርሓታት ብምዝማን መዳይ ብዙሓት ተግባራት ተሳሊጦም እዮም።

ኣብ ስርዓት ምሕደራ ምምሕያሽ ኣዋጅ ከምኡ እውን መምርሒታት ምውፃኦም ስዒቡ ክዳለዉ ዝግበኦም ስሩዓት ሰነዳት ጨረታን ማንዋላትን ከምኡ እውን ስርዓታት ኣሰራርሓን ብትኹረት ክስርሓሉ ከም ዝፀንሐ ኣገንዚበን።

በዚ መሰረት ድማ 41 ዝኾኑ ስሩዓት ሰነዳት ጨረታ ብምድላው ንተጠቀምቲ ተበፃሒ  ከምዝተገብሩ ብምግላፅ፤ እቶም 32 መንግስቲ ፌደራል  ዕድጊትን መሸጣ ንብረትን ዝፍፅመሎም ስሩዓት ሰነዳት ጨረታ ኣብ ሲስተም ብምክታት ኣብ ስራሕ ምውዓል ተኻኢሉ እዩ ኢለን።

ኣብ 2017 2018 ኩሎም በዓል በጀት ኣብያተ ዕዮታት ዕድጊቶም ዝፈፅሙ ብትልሞም መሰረት ምዃኑ ብምግላፅ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ ክርከብ እንተሎ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ትልሞም ከማሓይሹ ዘኽእል ኣማራፂ ከምዘለዎ ሓቢረን።

ኣብዚ በጀት ዓመት 367 በዓል በጀት  ኣብያተ ዕዮታት ፌደራል ዕድጊቶም ብኦንላይን ይፍፅሙ ከምዘለዉ ተዛሪበን።

ኣብ 11 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ልዕሊ 29 ሽሕ ጨረታታት ተኻይዶም ልዕሊ 370 ቢሊዮን ብር ብኤሌክትሮኒክ ስርዓት ዝተፈፀመ ኮይኑ፣ እዙይ ድማ ዘይተተለመ ዕድጊት ብምትራፍ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ካብ ብክነት ንምሕላው ዓብዪ ሓገዝ ከምዝገበረ ገሊፀን።

ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክ ብክነት ግዜን ዘየድሊ ወፃኢታት ትራንስፖርትን ተገልገልቲ ብምትራፍ፣ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ኮይኖም ቅልጡፍ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዘኽኣሎም እውን ሓቢረን።

እቲ ኣሰራርሓ ካብ ምንኽኻእ ደቂ ሰባት ናፃ ብምዃኑ ንኣቕረብቲ፣ ንተወዳደርትን ንዕድጊት ፈፀምቲ ኣብያተ ዕዮን ዝለዓለ ጥቕሚ ዘለዎ ምዃኑ ኣረዲአን።

ሓበሬታ ብቐሊሉ ንኹሉ ተበፃሒ ዝገብር ምዃኑ እውን ተሓታትነት ብምስፋን ብልሹው ኣሰራርሓ ብዝለዓለ ብርኪ ንምክልኻል ዘኽእል እውን እዩ።

ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ንውፅኢታውነት፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ስርዓት ዕድጊት መንግስቲ ልዑል ኣበርክቶ እናገበረ ከም ዝኾነ ኣብሩሀን።

ስራሕቲ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብምጥንኻር ተጠቀምቲ ዝያዳ ተበፃሕቲ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፃ ኮይነን፣ ንዕውትነት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 እውን እቲ ስርዓት ኣብ ክልላት ንምጅማር ዘኽእሉ ተግባራት ይሳለጡ ኣለዉ ኢለን፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም