ኢትዮጵያ ብተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ትፃወቶ ዘላ ግደ መሪሕነት ኣብ ዘተኣማምን መሰረት እናተሃነፀ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ትፃወቶ ዘላ ግደ መሪሕነት ኣብ ዘተኣማምን መሰረት እናተሃነፀ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 10/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ብተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ትፃወቶ ዘላ ግደ መሪሕነት ኣብ ዘተኣማምን መሰረት እናተሃነፀ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በሪኦ ሀሰን ገሊፆም።
ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ምስ ኮርፖሬሽን ፖርክታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ብምትሕብባር ኣብ ፍሉይ ኢኮኖሚያዊ ዞባ ቂሊንጦ ዝሃነፆ ዓብዩ ጣብያ ቻርጅ መምልኢ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ኣመሪቑ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በሪኦ ሀሰን ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ጣብያታት መመልኢ ቻርጅ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ኣብ ምስፍሕፋሕ ትርከብ ኢሎም።
ኣብዚ እዋን ብርክት ዝበሉ ቅልጡፋት ጣብያታት መመልኢ ቻርጅ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ብስፍሓት እናተሃነፁ ከም ዝኾኑ ብምጥቃስ፤ እዙይ ድማ ኢትዮጵያ ብተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ትፃወቶ ዘላ ግደ መሪሕነት ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ከም ዝተሃነፀ መርኣያ እዩ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ንለውጢ ኩነታት ኣየር ተግባራዊ ምላሽ ትህብ ከም ዘላ እውን ጠቒሶም።
እዚ ዓብዪ መመልኢ ቻርጅ ጣብያ ጋህዲ ንክኸውን ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ዘቕረቡ ኮይኖም፣ ብቐፃሊ እውን ኣብቲ ዓውዲ ንዝሳለጡ ስራሕቲ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣፍሊጦም።