ማሕበረሰብ ንግዲ በዓል ዋናን መሳለጥን እቲ ሃገራዊ ምኽክር ክኸውን ይግባእ


ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 10/2018 (ኢዜኣ)፦ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንቑሕ ተሳታፊ፣ በዓል ዋናን መሳለጥን ብምዃን ንዕውትነቱ ግደኡ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝግባእ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣምባዬ ኦጋቶ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ማሕበራት ዘፈርን ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብምትሕብባር " ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ" ብዝብል ቴማ ኣብ ሃገራዊ ሰላምን ምርግጋዕን ትኹረቱ ዝገበረ መድረኽ ኣዳልዩ።
ኮሚሽነር ኣምባዬ ኦጋቶ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ወናኒት ብርክት ዝበሉ ዕቑር ሃፍቲታት ዋላ እንተኾነት ንዘመናት ካብ ዓንኬል ኲናት ምውፃእ ተሳኢኑዋ ፀኒሓ እያ።
ስለዝኾነ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዜጋታት ዘይተረዳድእሎም ዋና ዋና ሃገራዊ ዛዕባታት ብዘተ ምፍታሕ ዝኽእልሉ ምህዳር ከም ዝፈጠረ ገሊፆም።
እቲ ኮሚሽን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ክዛተዩን ንፀገማት ሓበራዊ መፍትሒ ንምድላይ ዘተጣየሸ ከም ዝኾነ ጠቒሶም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብናፅነት ዝዘረብሉ ኩነታት ምፍጣር፣ መበገሲ ምፍልላይ ዝኾኑ ኣጀንዳታት ምፍላይን ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ዝሳተፉ ክፋላት ማሕበረሰብ ምፍላይ ከምኡ እውን ካልኦት ዕዉታት ስራሕቲ እናሳለጠ ከም ዝፀንሐ ተዛሪቦም።
ከይዲ እቲ ምኽክር ሓቋፍን ኩለመዳያውን እዩ ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር፤ ነጋዶን  ሰብ ዋና ንግድን ካብ ቀበሌ ጀሚሩ ክሳብ ፌዴራል ኣብቲ ከይዲ ንቑሓት ተሳተፍትን መሳለጥትን ብምዃን ሃናፂ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ገሊፆም።
ማሕበረሰብ ንግዲ ንዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ልዑል ግደ ከምዘለዎም ብምጥቃስ፤ ኣብቲ ዝቕፅል ዋና ጉባኤ ምኽክር ተሳትፎ ህዝቢ ብምዕባይን ዋናታትን ብምዃንን እጃሞም ከጠናኽሩ ከምዘለዎምን ኣተሓሳሲቦም።
ቤት ምኽሪ ማሕበራት ዘፈርን ንግዲን ኢትዮጵያ እውን ነዙይ እጃሙ ክዋፃእ ሓቲቶም።
ምክትል ፕሬዝዳንት ቤት ምኽረ ማሕበራት ዘፈርን ግድን ኢትዮጵያ ኣይናለም ኣባይነህ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቕነት ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ቀፃሊ ሰላም ምርግጋፅ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ከይዲ ንማሕበረሰብ ንግዲ ኢትዮጵያ ምቹው ሃዋህው ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምፍጣር ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ማሕበረሰብ ንግዲ ንዓውዲ ውልቀ ብምውካል ንዕውትነት ከይዲ እቲ ምኽክር ግደኡ ከም ዝዋፃእ ብምግላፅ፤ እቶም ምኽክራት ናብ ጭቡጥ ውፅኢታት ክቕየሩ ተሳትፎኦም ከም ዘጠናኽሩ እውን ኣረጋጊፆም።
እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ኮሚሽን ዘድሊ ሓገዝ ቴክኒክ ከምዝገብር ብምጥቃስ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ከም ዝዋፃእ እውን ኣረጋጊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም