ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዕብየት ዘቀላጥፍ ዓወት የምፅእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ /10/2018 (ኢዜኣ)፦ ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዕብየት ዘቀላጥፍ ዓወት የምፅእ ከምዘሎ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ፖርክታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ፍስሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ምስ ኮርፖሬሽን ፖርክታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ብምትሕብባር ኣብ ፍሉይ ኢኮኖሚያዊ ዞባ ቂሊንጦ ዝሃነፆ ዓብዩ ጣብያ ቻርጅ መምልኢ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ መርሃግብሪ ምረቓ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሓሰን፣ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ጌቱ ገረመውን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ፖርክታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ፍስሃ ይታገሱ (ዶ/ር) እቲ ጣብያ ቻርጅ መምልኢ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ እዋናውን ኣገዳስን ምዃኑ ተዛሪቦም።

እዙይ ድማ ሓደ ኣካል እቲ ኢትዮጵያ ትኽተሎ ዘላ ፖሊሲ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምዃኑ ጠቒሶም።

ኣንፈት ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዕብየት ዘቀላጥፍ ዓወት የምፅእ ከምዘሎ እውን ኣልዒሎም።

ካብዚኦም ሓደ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ምዃነን ብምግላፅ፤ ንቐፃሊ ድሌት ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ንምምላእ ጣብያታት ቻርጅ መምልኢ ምስፋሕ ከምዘድሊ ጠቒሶም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ንምረቓ ዝበቅዐ ጣብያ ቻርጅ መምልኢ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ኣብ ኣገዳሲ እዋን ዝመፀ ስጉምቲ ምዃኑ ኣልዒሎም።

ቀንዲ ጭርሖ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንኸባቢ ዘይብክል መፍረዪ ኢንዱስትሪ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ጣብያ ቻርጅ መምልኢ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ምስቲ ጭርሖ ዝጥዓዓም ምዃኑ ኣልዒሎም።

እቶም ትካላት ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ምዃኑ ብምግላፅ፤ ንቐፃሊ እውን ብሓባር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም