ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ዓቢዪ ግደ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ዓቢዪ ግደ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ /10/2018 (ኢዜኤ)፦ ሃገራዊ ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ዓቢይ ግደ ከም ዘለዎ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ምትሕብባር ኤምባሲ ፊንላንድ ቶሚ ሳርኪዮጃ ገሊፆም።
በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ምስ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ሃገራዊ ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ዕላዊ ገይሩ።
ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ብኽለት ከባቢ ንምንካይን ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅን "ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚ" (Circular Economy Roadmap) ብምድላው ጓሓፍ መሊስካ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዘተባብዕ ስራሕቲ እናሰረሐት ትርከብ።
ከም ኣዲስ ኣበባ እቲ ፍኖተ ካርታ ናብ መሬት ብምውራድ ምስ ዕብየት እታ ከተማ ተተሓሒዙ ዝመፅእ ስግኣት ኣተሓሕዛ ጓሓፍ ናብ ሰናይ ዕድል ንምቅያር ብርክት ዝበሉ ተግባራዊ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ኣለዉ።
ኣብዚ ዛዕባ ኣመልኪቶም ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ምትሕብባር ኤምባሲ ፊንላንድ ቶሚ ሳርኪዮጃ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ብፖሊሲታታ ሰርኩላር ኢኮኖሚን መጠነ-ሰፊሕ ዝኾኑ መርሃ ግብሪታት ሓለዋ ከባብን ኣቢላ ዘላቂ ልምዓት ንምርግጋፅ ዘተባብዑ ስጉምትታት ትወስድ ከምዘላ ተዛሪቦም።
ፊንላንድ ኣብዚ ዓውዲ ዘለዋ ሰፊሕ ተመክሮ መሰረት ብምግባር ካብ ሓለዋ ከባቢ ብተወሳኺ ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት ልዑል ዕድል ኣብ ዝሓዘ ዓውዲ ኣወጋግዳ ጓሓፍን መሊስካ ኣብ ረብሓ ምውዓልን (ሰርኩላር ኢኮኖሚ) ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ትሰርሕ ከምዘላ እቶም ሓላፊ ሓቢሮም።
እቲ ዓውዲ ንሓለዋ ከባቢን ንትካላት ንግዲን ሓባራዊ ተረባሕነት ዝፈጥር ብምዃኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ብሄራዊ ፍኖተ ካርታ ሰርኩላር ኢኮኖሚን መሊስካ ኣብ ረብሓ ምውዓልን ብምድላውን ዘላቒ ኣሰራርሓታት ንግዲ ዘተባብዕ ሃዋህው ፖሊሲ ብምፍጣራ ዝንኣድ እዩ ኢሎም።
እቲ ኣጀንዳ ሰርኩላር ኢኮኖሚ ምስ መርሃ ግብሪ ሃገር በቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚን ተበግሶ ሓምለዋይ ኣሰርን ፍፁም ዝጠዓዓም ምዃኑ ገሊፆም።
ንሓለዋ ከባቢን ንዘላቒ ዕብየትን ኣስተዋፅኦ ዝገብሩ ብምዃኖም ነኒሕድሕዶም ዝደጋገፉ ምዃኖም ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ብወገን ሓለዋ ከባቢ እትረኽቦ ዘላ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ እታ ሃገር ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት (COP32) ንከተተኣናግድ ምሕራያ ከም ዓቢዪ መርኣያ ጠቒሶም።