ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘቀልጥፉ ውፅኢታውያን ኣሰራርሓታት ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ይግበሩ ኣለዉ - ሚኒስትር በለጠ ሞላ (ዶ/ር)


ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 9/2018 (ኢዜኣ)፦ ስርዓት ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘቀልጥፉ ውፅኢታውያን ኣሰራርሓታት ቴክኖሎጂ ተግባራዊ እናተገበሩ ከም ዝኾኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣገልግሎት ኣብያተ መዛግብትን ኣብያተ መጻሕፍትን ኢትዮጵያ ዘመናዊ ስርዓት ቤተ መጻሕፍቲ ንምዝርጋሕ ዘኽእል ሃፍቲ ፅሑፋት ናብ ዲጂታል ናይ ምቕያር ስራሕ ብዕሊ ጀሚሩ።
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፤ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ንምህናፅን ዝተማልአ ዲጂታል ኢኮኖሚ ጋህዲ ንምግባርን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ይስለጡ ከምዘለዉ ገሊፆም።
እዙይ ድማ ዲጂታል ስነ-ምህዳር ምህናፅ፣ መሰረተ ልማት ምምላእን ምችው ፖሊሲ ብምንዳፍ ምስ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ብምውዳድ ምስራሕ ዘጠቓልል እዩ።
ስርዓት ዲጂታል ቁጠባ ኢትዮጵያ ዘቀልጥፉ ውፅኢታውያን ኣሰራርሓታት ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ይግበሩ ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም።
ብቐንዱ ነታ ሃገር ናብ ዘመናዊ ስርዓት ኢኮኖሚ ብምእታው ተኸታታልነት ዘለዎ ዕብየት ንምምዝጋብ ዝዓለመ ምዃኑ ኣመላኺቶም።
ንኣብነት ካብ ኣሰራርሓ ወረቐት ናብ ዲጂታል ምስጋገርን ታሪኻዊ ሃፍትታት ናብ ዲጂታል መአከቢ ብምእታው ንዝቕፅል ወለዶ ናይ ምትሕልላፍ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ኣገልግሎት ኣብያተ መዛግብትን ኣብያተ መጻሕፍትን ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ጉዕዞ ኣካል ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኮይኑ፤ ብቐፃሊ እውን ኣብ ኩሎም ዓውድታት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ጠቒሶም።
ኣብቲ ቤተ መጻሕፍቲ ዝርከቡ ሃገራዊ ሃፍትታት ሓሊኻን ተኸናኺንካን ናብ ዝቕፅል ወለዶ ንምስጋር ስራሕ ዲጂታላይዜሽን ወሳኒ ምዃኑ እቶም ሚኒስትር ኣረዲኦም።
ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ብወገነን፤ ኣገልግሎት ኣብያተ መዛግብትን ኣብያተ መጻሕፍትን ኢትዮጵያ ታሪክ፣ ባህልን መንነትን እታ ሃገር ዝተሰነደሉ ማእከል ምዃኑ ገሊፀን።
እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ዲጂታላይዜሽን ታሪክና ንዝቕፅል ወለዶ ብተኣማንነት ንምትሕልላፍን ዝኾነ ሰብ ዝደልዮ ሓበሬታ ብቐሊሉ ክረክብ ንምግባርን ዘኽእል እዩ ኢለን።



ቤተ መዛግብትን ቤተ መጻሕፍትን ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ተዘክሮታትን ፍልስፍናታትን ኢትዮጵያውያን ብግቡእ መገዲ ሰኒዱ ዝሓዘ ትካል እዩ ክብላ ተዛሪበን።
ኣብዚ ትካል ኢንቨስት ንገበሮም ሃፍትታት ኩሎም ኣብ ከይዲ ህንፀት ንዝቕፅል ወለዶ እትኸውን ኢትዮጵያ ዓቢይ ኣበርክቶን እጃምን ዘለዎ ስራሕ እዩ ኢለን።
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኣብያተ መዛግብትን ኣብያተ መጻሕፍትን ኢትዮጵያ ሰርፀ ፍሬስብሐት ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ኣገልግሎት ቅድሚ 83 ዓመታት ጀሚሩ ሓበሬታታት ብምስናድን ብምቕማጥን ንወለዶ ዘመሓላልፍ ዘሎ ትካል እዩ።
ስራሕቲ ምቕያር ሃፍቲ ፅሑፋት ናብ ዲጂታል ሃፍቲ ሓበሬታት ኢትዮጵያ ብምእካብን ብምውዳብን ንዝቕፅል ወለዶ ንምትሕልላፍ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ እውን ገሊፆም።
ኣብ ወረቐት ሰፊሮም ዝርከቡ ታሪኻዊ ሓበሬታታት ብሰንኪ ብዝሒ ግዜን ጉድለት ኣተሓሕዛን ከይጠፍኡን ከይበላሸዉን ዘላቒ ሓለዋ ንምግባር ከምዘኽእል እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ 20 ሚሊዮን ገፃት ናብ ዲጂታል ናይ ምቕያር ስራሕ ከም ዝሳለጥ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም