ኣብ ዝቕፅሉ 90 መዓልትታት ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ነበርቲ እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ዘረጋግፁ ተግባራት ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 9/2018 (ኢዜኣ)፦ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቕፅሉ 90 መዓልትታት ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ዘረጋግፁ ተግባራት ቁልፊ ትኹረት ሂቡ ከም ዝሰርሕ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ መሪሕ ትልሚ ዝቕፅሉ 90 መዓልታት ዘተኮረ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን፤ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣጠናኺርካ ንምቕጻልን ኣብታ ከተማ ዝተጀመሩ ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓትን ሪፎርምን ብዝለዓለ ቅልጣፈ ንምዝዛምን እቲ መሪሕ ትልሚ ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎ ገሊፀን።
እቲ ትልሚ ብቐንዱ ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ልምዓት ኮሪደር፣ ምእካብ እቶት፣ ሓምለዋይ ኣሰር፣ምንካይ ናህሪ ዋጋ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ወለንታዊ ኣገልግሎት ክረምቲ፣ ምብዛሕ ኣገልግሎታት መሶብ ሓደ ማእኸልን ኣብ ካልኦት ስትራቴጂካዊ ተግባራትን ትኹረት ከም ዝገበረ ሓቢረን።
ብተወሳኺ ሕርሻ ከተማ፣ ትሩፋት ሌማት፣ ምዕራፍ መዛዘምን ምድላውን ዓውዲ ትምህርቲ፣ ስራሕቲ ምክልኻል ውሕጅ ብትኹረት ከም ዝዝሳለጡ ኣልዒለን።
ዝተተለሙ ሸቶታት ንምዕዋት ድማ በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓ ብቆራፅነትን ብዝለዓለ ስሚዒት ሓላፍነትን ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲበን።



ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ትልምታት መንግስትን ፓርትን ነታ ከተማ ምችውቲ፣ ፅርይትን ዘመናዊትን ናይ ምግባር ራእይ መሰረት ዝገበሩ ምዃኖም ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እቶም ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ብዝተቐመጠሎም ግዜ ገደብን ፅሬትን ንምዝዛም ዘኽእሉ ትልምታት ብምዃኖም ንዓወቶም ኩሉ ክተግህ ከም ዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም