መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ኣብ ምክልኻል ዘረባ ፅልእን መረዳእታ ሓሶትን ግድኦም ብዝላዓለ ክፍፅሙ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ኣብ ምክልኻል ዘረባ ፅልእን መረዳእታ ሓሶትን ግድኦም ብዝላዓለ ክፍፅሙ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/ 9/2018 (ኢዜኣ)፦መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ኣብ ምክልኻል ዘረባ ፅልእን መረዳእታ ሓሶትን ግድኦም ብዝላዓለ ክፍፅሙ ከምዝግባእ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ በዓል መዚ ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዝርግሐ ሓሶት ሓበሬታን ዘረባ ፅልኣትን ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል ስምምዕነት ምርድዳእ ተፈራሪሙ።
ነቲ ስምምዕነት ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀን ጠቕላላ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለን ተፈራሪሞምዎ።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ኣብዚ እዋን ፤ እቲ ለውጢ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ምቹው ባይታ ክሳብ ሐዚ 51 መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ናብ ስራሕ ከም ዝኣተዉ ገሊፀን።
እቶም ትካላት ኣብ ሓድነት፣ ምክብባርን ህንፀት ኢትዮጵያዊ ክብርታትን ኣተኩሮም እናሰርሑ ከም ዝኾኑ እውን ሓቢረን።
ብኻልእ ወገን እቲ ስምምዕነት ዲጂታል መራኸብቲ ሓፋሽ ተጠቒሞም ግጭት ዘለዓዕሉን ክብርታት ሃይማኖት ዝሸራርፉን ኣካላት ንምክልኻል ዓብዪ ግደ ከምዝፃወት ገሊፀን።
እቲ በዓል መዚ ኣብ ዲጂታል መርበባት ዝዝርግሑ ዘረባታት ፅልኢ ሪፖርት ንምግባር ዘኽእል "ኤማ" ዝተሰመየ መተግበሪ (EMA APP)ን 9192 ነፃ መስመር ስልክን ኣብ ስራሕ ከምዘውዓለ ኣፍሊጠን።
እቲ በዓል መዚ ሕጊ አኽቢሮም ኣብ ዘይሰርሑ መራኸብቲ ሓፋሽ ተሓታትነት ንምስፋን ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ብምግላፅ፣ ነዙይ ኣድላዪ ሓገዝ ቴክኒክ ከምዝግበር እውን ኣረጋጊፀን።
ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ብወገኖም፤ እቲ ስምምዕነት መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ብፍቓዶም መሰረት ንኽሰርሑ ምኽኣልን ምትሕብባር ህንፀት ዓቕሚ ምዕባይን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ዘተኮረ ምዃኑ ገሊፆም።
ሃይማኖት ምስጓም ዝክኣል ሰላም ተሃልዩ ጥራሕ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ዋና ፀሓፊ፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ንዘላቒ ሰላምን ሓድነት ህዝብታትን ብዝለዓለ ብርኪ ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።