መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 11 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብኣግራብ ክሽፈን ኣኽኢሉ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 9/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 11 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብኣግራብ ክሽፈን ከም ዘኽኣለ ሚኒስትር ሕርሻ  ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ትማሊ ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ወሰን ቃላይ ሆራ ኣርሰዲ ብወግዒ ኣጀሚሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብዚ ዓመት  8 ቢሊዮን ፈልሲታት ንምትካል ሽቶ ብምሓዝ  ናብቲ ልዕል ዘበልናዮ 65 ቢሊዮን ፈልሲታት ናይ ምብፃሕ ትልምና ንምዕዋት ብፅንዓት እናገስገስና  ንርከብ ኢሎም።

ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ከም ዝበልዎ፤ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መንግስትን ህዝብን ተዋሃሂዶም ዘዕወቱዎ ዓብዪ ታሪኽ እዩ።

ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት 48 ቢሊዮን ፈልሲታት ከም ዝተተኸሉ ብምግላፅ፤ ኣብ ዓመት ብማእኸላይ 25 ሚሊዮን ዜጋታት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከም ዝተሳተፉ እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተተኸሉ ፈልሲታት እቶም 60 ሚኢታዊ ንጥሙር ሕርሻ  ዝውዕሉ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤  እቲ 35 ሚኢታዊት ድማ ኣግራብ ጫካ ምዃኖም ኣረዲኦም።

ትግበራ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 11 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብኣግራብ ክሽፈን ከም ዘኽኣለ እውን ገሊፆም።

እዚ ድማ ሽፋን ኣግራብ እቲ ሃገር  ካብ ምዕባይ ሓሊፉ መጠን ሓምለዋይነት ብምውሳኽ ናብ ኣካላት ማይ ዝወርድ መጠን ደለል ክቕንስ ከም ዘኽኣሉ ሓቢሮም።

ፍግረ መሬት ብምንካይ በቢዓመቱ ናብ ሩባታት ተሓፂቡ ዝኣቱ ዝነበረ ሃፍቲ ሓመድ ካብ 2 ቢሊዮን ቶን ናብ 208 ሚሊዮን ቶን  ክወርድ ከም ዝገበረ እውን  ተዛሪቦም።

እቲ መርሃ ግብሪ  ልሙዕነት  ሓመድ ብምውሳኽ ፍርያትነት ንምዕባይ ከም ዘኽኣለ ብምግላፅ፤ ሓደጋ ምድራቕ  ተጋሪድዎም ዝነበሩ ኣካላት ማይ ክሓውዩ  ገይሩ እዩ ኢሎም።

ፀቕጢ ኩነታት  ለውጢ ኣየር ንምፅዋር ዘኽእል ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ እውን ዓብዪ ዓቕሚ ይፈጥር ከም ዘሎ ጠቒሶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም