ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ኣዋዲዱ ዘረጋግፅ ወሳኒ ኣንፈት ልምዓት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 8/2018(ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ኣዋዲዱ ዘረጋግፅ ወሳኒ ብሄራዊ ኣንፈት ልምዓት ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣጀሚሮም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምጅማር፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ተረኺቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤  ምጅማር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ምክያዱ እታ ከተማ ካብ ባዕላ ብዝዘለለ ንኣዲኣ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ፈልሲ እተቕርብ ከተማ ከም ዝኾነት ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።



መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ኣዋዲዱ ዘረጋግፅ ወሳኒ ብሄራዊ ኢንሼቲቭ ልምዓት ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ሉኣላዊነት ሓንቲ ሃገር ብክልተ ነገራት እዩ ዝድፈር ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ሓደ ግዳማዊ ፀላእቲ ሓይልታት ሓሲቦምሉን ዶብ ጥሒሶምን እንትኣትዉ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ናትና ሃፍትን ንብረትን ብሸለልትነት እንትወፅእ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሰኣነቶ መጠን ሓመድ ብገንዘብ ክትመን ዘይኽእል ልዑል ጉድኣት ከም ዘብፀሐ ተዛሪቦም።
ኣቦታትና ኣብ ዓድዋ ንወራሪ ብምሕፋር ታሪኽ ሰሪሖም እዮም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ናትና ወለዶ እውን ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ናብ ወለዶ ዝሳገር ዓብይ ገድሊ እናሰርሐ እዩ ኢሎም።
መሪሕ ሓሳብ እዚ ዓመት “ተስፋ ንትከል” ብሩህ ፅባሕ ሎሚ ብምፅሓፍ፣ ሱራት ተስፋ ዘሊቖም ጉንዲ፣ ጨንፈርን ፍረን ብልፅግና ተስፋሕፊሑ ሃፍቲ ንክኾኑ ዘመላኽት ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
መረፃ ተስፋ እውን ነበርቲ ከተማ ቢሾፍቱን መላእ ኢትዮጵያውያንን ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝኾነ ዓይነት ኩነታት ኣየር ከይፀለዎም ተስፋ ብምስናቕ ድምፂ ምሃቦም ምስቲ መሪሕ ሓሳብ ኣዋዲዶም ኣገንዚቦም።
ሓምለዋይ ኣሰር ብመትከል መደመር ተመፅዋታይነት ኢትዮጵያ ታሪኽ ናብ ዝገብር ዘበን ዘሰጋግር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መርሃ ግብሪ ሓመድና ካብ ስደት፣ ግድብና ካብ ሑፃ ዘድሕን ዕዉት ዓምዲ ልምዓት እዩ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ዝተመዝገበ ዓወት ምስፋሕን ምጥንኻርን ከም ዝግባእ ገሊፆም።
ካብ 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ብዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ብምሕባር፤ ሎሚ ዓመት እውን ልዕሊ 8 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ብሓፈሻ 56 ቢልዮን ከም ዝበፅሕ ኣፍሊጦም።
ኢትዮጵያ ኮፕ-32 እንትተተኣናግድ 65 ቢልዮን ፈልስታት ምትካል ዝኸኣለት ሃገር ከም ዝኾነት ንዓለም ክነበስር ኢና እውን ኢሎም።
ነዚ ድማ ኩሉ ዜጋ ዓወት ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብምጥንኻር ብቆራፅነት ክሰርሕ ከም ዘለዎ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም