ዘላቒ ረብሓ ኢትዮጵያ ፀገማት ብምዘተ ብምፍታሕን ምርድዳእ ብምፍጣርን እዩ ዝረጋገፅ-ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ - ኢዜአ ትግርኛ
ዘላቒ ረብሓ ኢትዮጵያ ፀገማት ብምዘተ ብምፍታሕን ምርድዳእ ብምፍጣርን እዩ ዝረጋገፅ-ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 8/2018(ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ዘጋጠምዋ ፈተናታት ንምስጋርን ዘላቒ ረብሓኣ ንምኽባርን እቲ ዋና መንገዲ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕን ምርድዳእ ምፍጣርን ከም ዝኾነ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም።
እቲ ኮሚሽን ምስ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተዓጢቖም እናተንቀሳቐሱ ዝፀንሑን ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ማሕበረሰቦም ዝተሓወሱን ነበር ዕጡቓት ኣብ ከተማ ኣዳማ መድረኽ ምኽክር የካይድ ኣሎ።
እቲ ዘተ ንሎሚ ሓዊሱ ንክልተ መዓልትታት ዝፀንሕ እንትኸውን፤ እቶም ነበር ዕጡቓት ኣጀንዳታቶም ነቲ ኮሚሽን ከረክቡ እዮም።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከም ዝበልዎ፤ መናእሰይ ንሰላም ቀዳማነት ብምሃብ ዘለውዎም ሕቶታት ብመልክዕ ኣጀንዳ ኣኪቦም ናብቲ ሃገራዊ ምኽክር ብምምፅኦም ንኢዶም።
ሕቶታት ሒዝካ ናብቲ ምኽክር ምምፃእ ንፀገማት ብሓባር ዘላቒ መፍትሒ ንምሃብ እቲ ዝዓበየ በሪ ከም ዝኸፍት እውን ሓቢሮም።
ዘላቒ ረብሓ ኢትዮጵያ መሳርሒ ሒዝካ በረኻ ብምውራድ ዕድመ ንእስነት መስዋእቲ ብምኽፋል ዘይኮነስ ፀገማት እታ ሃገር ብግልፂ ዘተን ምኽክርን ብሓባር ብምፍታሕ እዩ ዝረጋገፅ ኢሎም።