ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣጀሚሮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣጀሚሮም
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 8/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሎሚ ብዕሊ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሎሚ ብዕሊ ኣጀሚርና ኢሎም።
ኣብዚ ዓመት 8 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ተሊምና ሓፍ ናብ ዘበልናዮ ሽቶ 65 ቢልዮን ፈልስታት ናይ ምብፃሕ ትልምና ንምዕዋት ብፅንዓት እናገስገስና ኢና ንርከብ ክብሉ ገሊፆም።
ናብቲ ጎስጓስ ብምፅምባር ንመፃኢ ወለዶ ሓምለዋይ ኣሰሮም የንብሩ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።