ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሙስና ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘተባብዑ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሙስና ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘተባብዑ እዮም
ኣዳማ፤ ሰነ 8/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሙስና ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘተባብዑ ምዃኖም ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ እውነቴ ኣለነ ገሊፆም።
ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ሙስናን ፌዴራል ዘዳለዎ ሃገር ለኸ መድረኽ ግምገማ ፋይዳ መፅናዕቲ ስልጠና ህንፀት ስነ-ምግባርን ምክልኻል ሙስናን ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተሳለጠ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽቡ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ እውነቴ አለነ ብወገኖም፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተዋደደ መንገዲ ሙስና ንምክልኻል ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከም ዝተሰርሑ ገሊፆም።
ብፍላይ ድማ ሙስና ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ህጹጽ ሙስና ንምክልኻልን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውጽኢታውያንን ዕዉታትን ምዃኖም ኣረጋጊጾም።
ይኹን እምበር ተግባብ ምክልኻል ሙስና ንሓደ ትካል ጥራይ ዝሕደግ ብዘይምዃኑ፣ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ሱር ቦቆስ ለውጢ ንምምፃእ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ክረባረቡ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ኮሚሽን ሙስና ኣቐዲሙ ንምክልኻል ንህንጸት ስነ-ምግባር ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ።
እዙይ ድማ ኣብ ኩሎም ኣብያተ ዕዮ መንግስቲታትን ህዝባዊ ትካላትን ሙስና ምክልኻል ዘኽእል ክእለትን ኣረኣእያን ንምፍጣር ሃናፂ ግደ ተፃዊቱ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብብርኪ ሃገር ብርክት ዝበሉ ፈታሕቲ ፀገምን ዘፈር ተኮርን መፀናዕቲታት ተቓላዕነት ሙስና ተፀኒዕም ንትካላት ብምኽረ-ሓሳብ ከምዝቐረቡ ብምሕባር፣ እቶም መፅናዕትታት ኣብ ትካላት ተሓታትነት ንምንጋስ ዝዓለሙ ምዃኖም ኣረዲኦም።
ብላዕለዋይ፣ ማእኸላይን ታሕተዋይን ብርኪ ተፈልዮም ኣብ ዝቐረቡ ናይ ሙስና ስግኣታት መሰረት ብምግባር፤ ብርክት ዝበሉ ትካላት ስራሕቲ ሪፎርም ብምስላጥ ጭቡጥ ውፅኢት ኣምፂኦም እዮም ኢሎም።
ቀንዲ ዕላማ እቲ መድረኽ ዘተ እውን ብዝተፀንዑ መፅናዕትታትን ብዝተወሃቡ ስልጠናታት መዕበዪ ዓቕሚ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ከምኡ’ውን ዝተራእዩ ክፍተታት ብሓባር ብምግምጋም ቀፃሊ ኣንፈት ምቕማጥ ምዃኑ ጠቒሶም።
ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፣ ሚኒስቴር ፍትሒ ሓዊሱ ካብ ፌዴራልን ኩለን ክልላትን ዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላትን ሓለፍቲ ስራሕን ተሳቲፎም እዮም።