እቲ ሓዱሽ ዓለም ለኻዊ መዕረፊ ነፈርቲ ቢሾፍቱ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 40 ኪ.ሜ ርሕቀት፣ ከምኡ’ውን ካብ ጸፍሒ ባሕሪ ንላዕሊ ኣብ 1,910 ሜትሮ ብራኸ እናተሃነፀ ይርከብ


ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 8/2018 (ኢዜኣ)፦ እቲ ሓዱሽ ዓለም ለኻዊ መዕረፊ ነፈርቲ ቢሾፍቱ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 40 ኪ.ሜ ርሕቀት፣ ከምኡ’ውን ካብ ፀፍሒ ባሕሪ ንላዕሊ ኣብ 1,910 ሜትሮ ብራኸ እናተሃነፀ ከም ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ መወዳእታ ማስተር ፕላኑ ብዓመት ክሳብ 110 ሚሊዮን መንገደኛታት ንምትእንጋድ ዝተተለመ ኮይኑ፣ እዙይ ድማ ምስቲ ሐዚ ዘሎ ዓለም ለኻዊ መዕረፊ ነፈርቲ ቦሌ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሙ እንትነፃፀር ብ4.4 ዕፅፊ ብልጫ ከም ዝህልዎ ተገሊፁ።




እቲ ታሪኻዊ ፕሮጀክት፣ ንሃገርና ካብተን ቀዳሞት ዓለም ለኻዊ ማእኸላት ኣቪዬሽን ሪጋ ንምስላፍ፣ ኣብ ዝበፅሖ ኩሉ ሰንደቕ ዓላማና ልዕል ኣቢሉ ዘርእን ኩርዓት ኣህጉርና ብዝኾነ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢሉ ኣብ ኣፍሪካ ኢሉ እውን ምስ ወፃእን ዘሎ ምትእስሳር ንምጥንኻር ቀትርን ለይትን ብዝለዓለ ፃዕሪ እናተሃነፀ ከም ዝኾነ ተመላኺቱ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም