ፍልልያት ሓሳባትን ሕቶታትን ብሰላማዊ መንገዲ ምቕራብ መግለፂ ስልጣነ እዩ - ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ - ኢዜአ ትግርኛ
ፍልልያት ሓሳባትን ሕቶታትን ብሰላማዊ መንገዲ ምቕራብ መግለፂ ስልጣነ እዩ - ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/ 8/2018 (ኢዜአ)፦ፍልልያት ሓሳባትን ሕቶታትን ብሰላማዊ መንገዲ ምቕራብ መግለፂ ስልጣነ ከም ዝኾነ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን አርዓያ ገሊፆም።
ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተዓጢቖም ክንቀሳቐሱ ፀኒሖም ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ሕብረተሰብ ምስ ተፀንበሩ ነበር ዕጡቓት ኣብ ኣዳማ ምኽክር የካይድ ኣሎ።
ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን አርዓያ ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ እቶም ናይ ቀደም ዕጡቓት ንሰላም ቀዳምነት ብምሃብ ናብ ሰላማዊ መንገዲ ንምምላስ ዘሕለፍዎ ውሳነ ንኢዶም።
ፍልልያት ሓሳባትን ሕቶታትን ብሰላማዊ መንገዲ ምቕራብ መግለፂ ስልጣነ እዩ ዝበሉ ኮይኖም፣ ኣብዛ ሃገር ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ብሰላም ምምኽኻርን ምዝርራብን እንኮ መማረፂ ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ኮሚሽን ዋና ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ከም ዘካይድ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ነቲ ዋና ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ጉባኤ ምክያድ ዘኽእል ስራሕቲ ኣሳታፍን ሓቋፋይን ምእካብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍተን ከም ዝተሳለጠ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልላት፣ ኣብ ክልቲኦም ምምሕዳራት ከተማ፣ ኣብ ወረዳታት ከምኡ እውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስ ዝነብሩ ዜጋታት ዕዉት መድረኽ ኣጀንዳ ምእካብን ተሳተፍቲ ምፍላይን ከም ዘካየደ ተመላኺቱ።