ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን መርኣያ ዝኸውን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ሰላማውን ዕዉትን መረፃ ኣካይዳ-ኣምባሳደር ኣኒል ኩመር ራይ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን መርኣያ ዝኸውን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ሰላማውን ዕዉትን መረፃ ኣካይዳ-ኣምባሳደር ኣኒል ኩመር ራይ
ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 8/2018 (ኢዜኣ)፦ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን መርኣያ ዝኸውን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ሰላማውን ዕዉትን መረፃ ከም ዘካየደት ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኒል ኩመር ራይ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ከም ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ዝበሉ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ተዓዘብቲ መረፃ ብምውፋር ዘይሻራውን ዲሞክራዲያውነቱ ዝተመስከረሉን ሓፈሻዊ መረፃ ከም ዘካየደት ዝፍልጥ እዩ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ኣኒል ኩመር ራይ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዕዉት መረፃ ከም ዘካየዱ ሓቢሮም።
ብመሰረት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቅድሚ እቲ መረፃ ኣሳታፊ መረፃ ከም ዝካየድ ዝኣተውዎ ቃል መንግሥቲ ንዲሞክራሲያውነት እቲ መረፃ ካብ ቅድመ መረፃ ጀሚሩ ንዝፈጠሮ ምችው ኩነታት ብምንኣድ፤ እቲ መረፃ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ድምፆም ዝሃብሉን ንቑሕ ተሳትፎ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዝተርኣየሉን እዩ ኢሎም።
ከም ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ዝበሉ ኣህጉራውን ዞባውን ተዓዘብቲ መረፃ ብምውፋር እቲ መረፃ ሰላማውን ፍትሓውን ከም ዝኾነ ምርግጋፆም እውን ዲሞክራሲያዊነት እቲ መረፃ ዘርኢ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ካብ ምዝገባ ሕፁያትን መረፅትን ጀሚሩ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ፣ ንኣፍሪካውያን መርኣያ ዝኸውን ናፃ፣ሰላማውን ዲሞክራሲያውን መረፃ ምክያድ ከም ዝኸኣለት እውን ኣረዲኦም።
ጉዳይ ኣፍሪካውያን ብኣፍሪካውያን ክፍታሕ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፤ ኣብቲ ሓፈሻዊ መረፃ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ምውፋሮም እውን ናይዚ መርኣያ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ተዓዘብቲ መረፃ ክልቲኦም ትካላት ዝገበርዎ ትዕዝብትን ርኢቶን እውን ኩላትና እንቕበሎ እዩ ኢሎም።